Wednesday, July 29, 2020

3ይ መዓልቲ፡ Day 3

ሓው kibri ብዝገበረለይ ጻውዒት መሰረት፡ 7 ዘድንቖም መጽሓፍቲ ክጠቅስ ………
‘ኣይንፈላለ፡’ ብኣለምሰገድ ተስፋይ
ካብ ዝበለጻ ድሕሪ ናጽነት ዝተጻሕፋ መጽሓፍቲ ክኾና ይኽእላ’የን። ኣብዘን መጽሓፍቲ ደራሲን ተማራማራይ ታሪኽን ኣለምሰገድ ተስፋይ ባዕሉ ዘዕልለካ ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ። ኣዝዩ ስሩዕን ብቀደም ተኸተል ሓቂታት እንዳኣቐመጠ ስለ ዝጸሓፈን ከኣ ተነበብቲ ይገብረን።
እዛ መጽሓፍ ብዙሕ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ዝነበረኒ ናይ ታሪኽ ሕቶታት መሊሳትለይ’ያ……. ምስሊ ልቦና ኣቦታትና ብግልጺ እተርእይ መጽሓፍ’ያ።’ እወ ከይተፈላለዩ ንሃገር ተቓሊሶም፡ ጸላእቲና ድማ ኣብ ፍልልይና ከም ዝምዝምዙ ተማሂረ።
ኣብዘን መጽሓፍቲ ጠንቂን ሳዕቤንን ዝበሃሉ ዓበይቲ ጉዳያት ብግቡእ ተቐሚጦም ኣለዉ። ሰፊሕ ምርምር ብምግባርን እኹል ሓበሬታ ብምእካብን ዝተጻሕፋ መጽሓፍቲ እየን ይብል። ኣተራጉማ ሓቂታት ብደራሲ ዘውጊ ዘይብሉ ብምኳኑ፡ ኣዝዩ ዘድነቕክዎ ካልእ መቐረት ናይዘን መጽሓፍቲ’ዩ። በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ንመጽሓፍቲ ኣይንፈላለ ከይፈለኹ ቀልጢፈ ከንብበን ዝኸኣልኩ።
ብናተይ ርእይቶ፡ ኩሉ ሰብ ከንብበን ዘለዎ መጽሓፍቲ እየን!

No comments:

Post a Comment

Dr. Sharon: A True African Role Model on YouTube

Dr. Sharon, a distinguished Eritrean YouTuber based in South Africa, is renowned for her passionate advocacy and commitment to creating posi...