
‘ኣይንፈላለ፡’ ብኣለምሰገድ ተስፋይ
ካብ ዝበለጻ ድሕሪ ናጽነት ዝተጻሕፋ መጽሓፍቲ ክኾና ይኽእላ’የን። ኣብዘን መጽሓፍቲ ደራሲን ተማራማራይ ታሪኽን ኣለምሰገድ ተስፋይ ባዕሉ ዘዕልለካ ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ። ኣዝዩ ስሩዕን ብቀደም ተኸተል ሓቂታት እንዳኣቐመጠ ስለ ዝጸሓፈን ከኣ ተነበብቲ ይገብረን።
እዛ መጽሓፍ ብዙሕ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ዝነበረኒ ናይ ታሪኽ ሕቶታት መሊሳትለይ’ያ……. ምስሊ ልቦና ኣቦታትና ብግልጺ እተርእይ መጽሓፍ’ያ።’ እወ ከይተፈላለዩ ንሃገር ተቓሊሶም፡ ጸላእቲና ድማ ኣብ ፍልልይና ከም ዝምዝምዙ ተማሂረ።
ብናተይ ርእይቶ፡ ኩሉ ሰብ ከንብበን ዘለዎ መጽሓፍቲ እየን!
No comments:
Post a Comment