Thursday, July 30, 2020

4ይቲ መዓልቲ፡ Day 4

Kibri Kebari ብዝገበረለይ ጻውዒት መሰረት፡ 7ዘድንቐን መጽሓፍቲ ክጠጥስ……….
The Alchemist ብ Paulo Coelho

መጽሓፍ ኣልከማዊ ብቋንቋ ትግርኛን ብልዕሊ 80 ቋንቋታትን ዝተቶርጎመት መጽሓፍ ኮይና፡ ካብ ኣለዋ ዝበሃላ ብልጽቲ ናይ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ መጽሓፍቲ’ያ። እዛ መጽሓፍ ሓንቲ ካብ ኣብ ሂወተይ ልዑል ጽልዋ ዝገበራ መጽሓፍቲ ክብላ ይደፍር። ገለ ካብዛ መጽሓፍ ዝተማሃርክዎ ነገራት እንክጠቅስ……….
- ነብሰይ ክኣምንን ዓወት ኣብ ዘለኽዎ ሃልየ ክደልያን
- ሰብ ገበሮ ኢለ ዘይኮንኩስ ብነብሰይ ክውከል
- ምስ ውሽጠይ ክዛረብን ልበይ ዝመልኣለይ ክገብርን
- ጉዕዞ ሂወት እንዳ ኣስተማቐርኩ ዕላማይ ከኣ ዘገም እንዳበልኩ ክበጽሕ
- ብዘይ ምኽንያት ከፍቅር
ምስ ፓውሎ ክዌሎ ዘላለየኒ ጋዜጠኛን መምህረይን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ደራሲ ‘ጉዕዞ ገርጊስ ኣብ 50 ዓመቱ’ ኣቡበከር ኣሕመድ’ዩ። እዛ መጽሓፍ ገለ ካብተን ሒደት ብ 3 ቋንቋታት ዘንበብክወን’ያ። ኣጻሕፋ’ዚ ደራሲ እሞ ንከድንቖ ቃላት ይሓጽረኒ!
ኣብ ስዊዘርላንድ ጀነቫ ምስ ጋዜጠኛ Awet Aregay ኣብ ዝተራከብኩሉ እዋን፡ እዚ ደራሲ ኣብታ ከተማ ከም ዝነብር የዕሊሉኒ ነይሩ። ዓወታ ረኺብካዮ’ዶ ትፈልጥ? ብዛዕባ’ዚ ደራሲ ከኣ ገለ በለና በጃኻ።

1 comment:

  1. Thanks ka, materinya sangat bermanfaat sekali buat aku. Aku suka banget ^^ Silakan cek Situs IDN Poker Terpercaya di Asia

    ReplyDelete

ሓሳብ ልብና ዝሰምረሉ ወቕተ-ጽድያ ይግበረልና!

  ወርሒ ጽድያ ምውጻእ ቁሪን ምብራቕ ጸሓይን ዝተኣሳሰር ወቕቲ`ዩ። መዓልታት እንዳ ነውሐ፣ ለይቲታት ከኣ እንዳሓጸረ ዝኸደሉ እዋን`ዩ።   ስለዚ እዚ ወርሓት ተስፋ ዝዓስለሉን ጽቡቕ ምብራቕ ጸሓይ ዝረኣየሉ እዋን ምሕዳስን...