Friday, July 31, 2020

5ይቲ መዓልቲ፡ Day 5



kibri ብዝገበረለይ ጻውዒት፡ 7 ብሉጻት ዝብለን መጽሓፍቲ ክሰሚ……..
The Richest Man in Babylon፡ George S.Clason

ወዲ ኣስመራ ምኳን ምሕንሻሽ ሰልዲ እምበር ምውህላል ኣይትማሃርን ኢኻ። ኩሉ ግዜ ናይ ሰልዲ ሕጽረት ምስ ኣጋጠመኒ፡ ‘ገንዘበይ ኣበይ ኣእትይዮ’ እትብል ሕቶ’ያ እትመላለሰኒ። እዛ መጽሓፍ ኣብ ኢንተርነት ምስ ረኣኹዋ ጽቡቕ መልሰ-ዕንጋለ ኣብ ኮመንት ዝለረኣኹ ገዚአ ከምብባ ወሲነ። ወላ’ኳ ከምቲ ዝደልዮ ለውጢ ኣይግበር፡ ኣታሕዛ ገንዘብ ግን ክመሃር ክኢለ’የ። እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ‘ኣርካድ’ ዝበሃል ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝሃብተመ ሰብ ከመይ ኢሉ ከምዝህብተመ እተዘንቱ መጽሓፍ’ያ።
ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ስነ-ሓሳብ ንጹርን ውጽኢታዊን’ዩ። ገለ ካብኦም ድማ..
- 10% ካብ ኣታዊታትካ ፍጹም ዘይምትንካይን፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ ኣብ እትፈልጦ ዓይነት ቢዝነስ ምውፋር
- ዘየድልየካ (መጋየጺ) ነገራት ዘይምዕዳግ
- ብቕዓትካን ሞያኻን ምዕባይ፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ዝያዳ ገንዘብ ክትክፈል ትኽእል
- ናትካ ባዕልኻ እተካይዶ ንግዲ ክህልወካ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ሰብ ተቖጺርካ ምስራሕ ሕልፈት የብሉን
- ዕድመ ምስ ደፋእካ ከይትሽገር ካብ ሕጂ ምጥንቃቕ
* 50Cent ዝበሃል ኣመሪካዊ ስነ-ጥበበኛ ውን ብዛዕባ ምውህላል ገንዘብ ክዛረብ እንከሎ፡ ንእትሕሽሻ ሓንቲ ዶላር 4 ዕጽፊ ናታ ኣቐምጥ’ዩ ዝብል።
ተስፋ ንገብር ካብ መስመር ሰሪሐ በላኦ ወጺእና ናብ ወናኒ ትካል ክንሰጋገር።







No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...