Saturday, August 1, 2020

6ይቲ መዓልቲ፡ Day 6



kibri ብዝገበረለይ ጻውዒት፡ 7 ብሉጻት ዝብለን መጽሓፍቲ ክሰሚ……
Outliers: The Story of Success ብ Malcolm Gladwell 


ዓለም ካብ ዝረኣየቶም ብሉጻት ስፖርተኛታት ከም በዓል ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ልዩ-መሲ፡ ማይክ-ጆርዳንን ዝውርውርዎ ወይ ዝቐልዕዎ ኩዕሶ ብንጹር ዕላማኡ ዝሃርም ምዃኑ ይፍለጥ። ነዚ ንኽገብሩ ግን ቀጻሊ ብሉጽ ልምምድ’ዮም ዝገብሩ። ንሓደ ነገር ብጽቡቕ ንክምለኽ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰዓታት ናይ ልምምድ ከምዘድሊ ኣብዚ መጽሓፍ ብብዙሕ ኣብነታት ተገሊጹ ይርከብ።

ዕዉታት ሰባት ምስ ከባቢኦም ልዑል ዝምድና ከምዘለዎምን፡ ንዕድላት ከኣ ኣብ ግዜኦም ከምዝጥቀሙሎም ኣብዛ መጽሓፍ ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ። ናይ ሓደ ሰብ ዓወት ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣብኡ ዝተሞርከሰ ከምዘይኮነን፡ ብዙሓት ውሽጣዊን ደጋዊን ባእታታት ከምዘለዉን ክንፈልጥ ይግበኣና። ንኣብነት፡ ‘ኩሉ ኤርትራዊ ንኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ጥራይ’ዩ ዝርእይ። እንተኾነ ነዚ ኣትለት ካብ መባእታዊ ደረጃ ጉያ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጽሕዎ ኣሰልጠንቲ ከም በዓል መንግስ ደስበለ ፍጹም ኣይንዝክሮምን ኢና።’ ስለዚስ ኣረኣእያና እተስፍሕ መጽሓፍ ኮይና ረኺበያ።

ስለምንታይ እዮም ኤስያውያን ኣብ ስነ-ዓውዲ ቁጽሪ ብሉጻት? ተፈጥሮኦም ድዩ? ኤስያውያን ዝነውሐ ግዜ ኣብ ላይብረሪ ኮፍ ምባል ዘዘውትሩ ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ሳብጀክት ድማ ብዙሕ ልምምድ ዝሓትት ምዃኑን እኩል ግዜ ይህብዎ ስለ ዝኾኑ’ዩ እቲ ምስጢር።

ኣብ መወዳእታ ክጠቕሶ ዝደሊን እቲ ዘበለጸ ክፋል ናይዛ መጽሓፍ ኮይኑ ዝረኸብክዎን ከኣ፡ ወላ ናይ ምሉእ ዓቕምና ጽዒርና፡ ዕድል ዝበሃል ባእታ ኣብ ጎድኒና እንተዘይ ኮይኑ ክኸብድ ከምዝኽእል’ያ ተብርሃልና። ስለዚ ከይተሓለልና ንጽዓር፡ ንዕድላት ከየምልጡና ከኣ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።

 P.S ኩሉ ከምብባ ዘለዎ መጽሓፍ’ያ።








No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...