Tuesday, August 18, 2020

ኣብ ስደት መኣዝንና ንስሕት ከይንህሉ?

 

ካብ ነበረኒ፡ እኒኤኒ!

ስደት ብኤርትራውያን ኣይኮነን ተጀሚሩ፡ ታሪኽ ኣህዛብ ዓለም ታሪኽ ስደት’ዩ። ህጻን እየሱስ ውን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ነይሩ’ዩ። ነቢ ማሓመድ ምስ ቤተሰቡ ከኣ ኲናት ኮይንዎ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሩ ኣብ ኤርትራ ንውሱን ግዜ ተቐሚጡ ነይሩ’ዩ። ሳባውያንን ኣግኣዝያንን ድማ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብስግር ቀይሕ ባሕሪ እዮም ናብ መረብ ምላሽ ተሰዲዶም ዝመጹ። እታ ከም ኣብነት ንወስዳ ዝሃብተመትን ዝሓየለትን ሃገረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውን ብስደተኛታት ዝቖመት’ያ። ስለዚ ስደት ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለ ልሙድ ተርእዮ ወዲ ሰብ’ዩ።

ሰብ ንምንታይ ይስደድ? ቀንዲ ምኽንያታት ሰብ ንስደት ዘምርሕ ንድሕነት፡ ዝበለጸ ዕድላት፡ ዝሓሸ ናብራን መጻኢን ክረክብን’ዩ። መብዛሕትና ኤርትራውያን ብፍሉይ ንሕና ከም ዝተሰደድና ዘስምዕ ዘረባታትን ርድኢታትን ኣሎና። እንተኾነ ኣብ ኤውሮጳ ወይ ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተና፡ ኩሉ ዓይነት ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ተሰዲዶም ክንርእዮም ኣዝዩ’ዩ ዝገርመና።

 ክብደት ስደት እዚ ኢልካ ብሓጺር ክትገልጾ ይኸብድ’ኳ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ እዘን ነጥቢታት እተን ቀንዲ ንስደት ዘኽብዳኦ’የን።

-       -ናይ ትምህርቲ ደረጃ መረድኢታትካ (Degree/ Diploma) ኣይሰርሕን’ዩ

-       -ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ከቢድ ኮይኑ ይጸንሕ

-       -ባህሊ ናይ እትነብረሉ ዘሎኻ ሃገር ምርዳእን ምስዓብን ይኸብደካ

-       -ገለ ሰባት ስደተኛ ዝጸልኡ የጋጥሙኻ/ ይዕንቅጹኻ

-       -ጽምዋን ናፍቖት ስድራኻን መተዓብይቲኻን ይኸብደካ

-       -ናይ ስራሕ ዕድላት ካብ ዝተጸበኻዮም ንላዕሊ ዘየዕግቡ ይኾኑ


ስለዚ ምስጢር ዓወት ኣብ ስደት ንኹሉ ዘጋጥመና ዕንቅፋታት ምጽዋርን ከከም ኣማጻጽእኡ ምፍታሕን ጥራይ’ዩ። ነዚ ንኸነተግብር ከኣ እተን ቀዳሞት 3-5 ዓመታት በቲ ዝግበረልና ሓገዝ ካብ መንግስቲ፡ ቋንቋ ክንመልኽ፡ ትምህርቲ ምምራሕ ማኪና ክንወስድ፡ ምስ ባህሊ ዝተሰደድናለን ሃገራት ክንለማመድን ንስራሕን ላዕለዋይ ትምህርቲ ክንዳሎን ኢና ከነውፍር ዘሎና። ኣብዚ እዋን መጠናዊ ሓገዝ ንስድራ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ልዕሊ ዓቕምና ንምጠጥ እንተዄንና ግን ኣይነዓና ኣይ ንዓኦም ኢና ንተርፍ። ምኽንያቱ ነብስና ከይኮንና ንካልእ ምዃን ዕሽነትን ጥፍኣትን’ዩ። ስለዚ ኣብ ስደት ኩሉ ዝነበረና ረሲዕና ህሉው ኩነታትና ከነማዓራሪ ብቀስታ ዕቤት ክንገብርን ይግበኣና።

ወላ’ኳ ስደት ከቢድ ይኹን ዓድና ቅድሚ ምግዳፍና ብዙሕ ፈተናን ገድሊን ከምእንሓልፍ’ሲ ቅድሜና ተሰዲዶም ዝነበሩ እንተወሓደ ከዕልሉ ሰሚዕና ኔርና ንኸውን ኢና። ወይ መጽናዕቲ ኣካይድና ኔርና ኢና። እንተዘይኮኑ ግን ንስደት ብዘይ መደብ ወይ ገበርዎ ኢልና ዝገበርናዮ ኢና ማለት’ዩ። እዚ ከኣ መዕነይነዪ ኴንና ንኽንተርፍ ይቀስበና። ካብዚ ከኣ የድሕነና ምባል ጥራይ’ዩ!

 

ኣብ ስደት ጠቕላላ ከነጥፍአን ዘሎና ነገራት ኣለዋ።

-      - ኢጎ /ኣንነት

-     -  ከም ናይ ኤርትራ ሂወት ክትነብር ምፍታን

-       -ኣብ ነንሕድሕድና ምውድዳር

-       -ሽግርና ብትኽክል ዘይምዝራብ፡ ‘ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፎሱ’

-      - ኣብ ኤርትራ ዝነበረካ ደረጃ ኣብ ሕብረተሰብካ (ዝና) ኣብ ዘለኻዮ ሃገረ ስደት ወልሓንቲ ዋጋ ከምዘይብሉ ምርዳእ

 ኣብ ስደት ኣዝያ ኣገዳሲት ግን ኩሉ ሰብ ሸለል ዝብላ ነገር ኣላ። እትነብረላ ቤት ኩሉ ዘማልአት ምዕርግቲ፡ ወጺእካ ውዒልካ ክትኣትዋ ትናፍቓ ክትህልወካ ኣለዋ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ መብዛሕትና ኣብ ቤት ስድራናን ኣሕዋት ተቐመጥቲ ምስ ምንባርና፡ እኩል ናይ ብሕቲ ግዜን ድላይና ክንገብር ዘፍቅድ ግፍሒ ውን ስለ ዘይነበሮ፡ ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ገዛና ንቁሩብ ሰዓታት መዘናግዒን መደቀሲን መብልዒን ጥራይ ኢና ንጥቀመሉ ኔርና። እንተኾነ ኣብ ስደት፡ ገዛኻ ወሳኒ’ዩ። ሬስቶራንት፡ ላይብረ፡ ባር፡ ሆቴል፡ ቤት ትምህርቲ፡ ኦፊስ  ካልእን........

 ብፍላይ ኣብ ሒደት ሰባት ዝረኣኽዎ ኣብ ስደት ዘሎ ናይ ውድድር መንፈስ ዘጉሂ እዩ። ንሕና ምስ ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም ዝዓበዩ ክንወዳደር ደኣ እምበር ኣብ ነንሕድሕድና ክንወዳደር ናብ ድሕሪት ጥራይ’ዩ ክመልሰና። እቲ ኣብ ኤርትራ ከም መርኣያ ሃብቲ ዝሕሰብ፡ ማኪና፡ ገዛ፡ ጽብቕቲ ሞባይልን ማርካ ክዳውንቲን …ወዘተ ኣብ ምዕቡል ዓዲ ወልሓንቲ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ቀታሊ ስነ-ሓሳብ ክንርስዖ ጥራይ’ዩ ዘሎና። 

ከም ኣገዳሲ ነጥቢ ድማ፡ ከም ሕብረተሰብ ክንመኻኸርን ሽግርና ፍታሕ ኣብ ምርካብ፡ ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ምምማይን ንፉዓት ክንከውን ኣሎና። ኤርትራውያን ኣብዚአን ነጥቢታት ኣዚና ድኹማት ኢና፡ እንታይ ከምጽኡ ዝዓይነቱ ጸጽብቑ ጥራይ እምበር ሽግሩ ዘይነግር ሕብረተስብ ክንቅየር ቁሩብ’ዩ ተሪፉና። ኣሕዋተየ ነዚኣስ ብኣጋኡ ፍታሕ ብኣጋኡ ክንረኽበሉ ኣሎና።

ዘይንዕተሉን ናብራና ዘይንልውጠሉን ስደት እንተኮይኑ፡ ኣብ ሂወት ክፈጥሮ ዝኽእል ጭንቀት ከቢድ’ዩ። ስለዚ ምጥንቃቕ ዘድልዮ ነገር’ዩ።  መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣውሮጳ በብግዜኡ እንዳ ኣማሓየሹን ምስቲ ዝነብርዎ ማሕበረሰብ ብባህሊ እንዳተዋሰቡ ምምሕያሽ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ለውጢ የምጽኡ ኣለዉ። ናይ ንእስነት ባህርያት ዘንጸባርቑ ሒደት’ኳ እንተሃለዉ፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎና እንተኢልና፡ ካብ ዝነበርናዮ ኣብ ዝሓሸ ምበልኩ ነይረ።

መፈጸምታ ስደት ዓድኻ ምምላስ’ዩ። ንሕና ዓድና ክንምለስ ከሎና ግን ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝብሎ ገንዘብ ብሳምሶናይት ዘይኮነስ፡ ሞያ፡ ትምህርቲ፡ ስነ-ሓሳብ፡ ብልሓትን ሒዝና ክንምለስ ኣሎና። ዓድና ነዓንናን ንደቂ ደቂናን ዝኸውን እኹል ሃብቲ ኣለዋ። እቲ’ዛ ሃገር ዘድልያ ነገር ግን፡ ረቂቕ ናይ ለውጢን ምዕባለን ስነ-ሓሳብ፡ ቅኑዕ መንፈስን’ዩ። ገንዘብ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ፡ ሃብታም ንነብሱ’ዩ። ዓለም  ተመራመርቲን ስነ-ፍልጠተኛታትን ፍላስፋታትን እምበር ዝሞቱ ሃብታማት ኣይትዝክርና’ያ። ኣልበርት ኣንስታይን፡ ኣይዛክ ኔውተን፡ ማይክል ፈራዳይ፡ ሶክራጠስን ካልኦትን እምበር ዝሞተ ሃብታም ኣብ ታሪኽ ኣይትዝክርን’ያ። 


 

 

6 comments:

  1. Ketslo tsbok admen teanan yhabka/ ki

    ReplyDelete
    Replies
    1. ክብረት ይሃበለይ! ኣብ ቀጻሊ ጽሑፍ የራኽበና።

      Delete
  2. ኣሜን! ክብረት ይሃበለይ።

    ReplyDelete
  3. zewr kbel eye xufka ab getsat facebook rekibyo azyu mestuni. keep it bro. sdedetna yhxro.
    Habtka Sara

    ReplyDelete
    Replies
    1. ክብረት ይሃበለይ ብርኽቲ ሓፍቲ። ኣብ ቀጻሊ ጽሑፍ የራኽበና።

      Delete
  4. ዶን ያሆ ጽቡቅ ስራሕ ብጣዕሚ መሳጢ ጽሑፍ

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...