Wednesday, July 28, 2021

ሓሪፍ ኣዝማሪኖ ኣብ ፓሪስ፣ ፓርቲ… ባርበኲ

 



ኣይገርመኩምን… ይዝከረኒ ኣብ ኣስመራ ኣብ 90ታት ዝነበራ ጻዕዳ ማልያ እንዳ-ባራቶለ ምስ ግዜ እንዳ ተጀልዓ እየን ዝኸዳ። ኣብ ናይ መወዳእታ ዕምረን ከኣ ካብ ማልያ ናብ ሓውሲ ጀለብያ ገጸን`የን ዝጸርያ፡ ካብ ኣፍልቢ ወረዲነ ከብዲ ጥራይ ኣብ ምሽፋን ይበጽሓ። ክሳደን እሞ ወላ ሞንኮብ`ዩ ዝጅላዕ።

ነዚ ጉዳይ ዘልዓልኩሉ ቀንዲ ነገር፡ ኣብ ፈረንሳ ማልያታት እንዳኣረገ ብዝኸደ፡ ናብ ላዕሊ እንዳ ተሰብሰበ ዝኸይድ። ሓንቲ ዝፈትዋን ቀጻሊ ዘዘውትራ ማልያ ነይራትኒ ምስ ግዜ ግን ኣብ ከባቢ ሕምብርተይ ምስ በጽሐት ናብ መወልወሊት ጨርቂ ጸኒሐ ኣስጊረያ፣ ቀቢጽካ ድርብይ መቸም ኣይናትናን እንድያ። እንታይ ደልዎ ስግንጢር? እቶም ዝጅላዕ ዝሰርሑን ዝስብሰብ ዘፍርዩን ተዝላፈኑስ ግርም ዶ ምመጽኡ ?  ብላዕልን ብታሕትን ተወዲኣ ደኣ ረጂ (bra) ከይትጸሪ እንበር። እስከ እቶም ተመሳሳሊ ተመኩሮ ዘለኩም ጀምዓ ኣብ `ኮመንት` ገለ ካብ ተሞኩሮኹም ኣቐምጡ ኢኹም…

ምግራመይ ብማልያ ጥራይ ኣይኮነን ብዝሑ እዩ ዘሎኒ፣ ካልኣይ ዝገርመኒ ነገር ኣሎ፣ በብግዜኡ ዝገዝኦ መስምዒ (ኤር-ፎን) ሓንቲ እዝኑ ጥራይ እዩ ዝበላሸው። ነዚ ጉዳይ ብጥብቂ ዝተኸታተለት ኣማኒተይ፡ ሓንቲ እዝንኻ ገለ ማግነቲክ ፊልድ ከይሃለዋ ኣይተርፍን ብምባል ነዚ ተርእዮ ገሊጻቶ። ንሓሳባ ከም ሓሪፍ ጎበዝ ኣንቶረ መጠን ብተመኩሮ ናይቲ ኣብ እንዳ መሓመድ-ሓጎስ፣ ዜሮ-3 ከምኡ ውን ጁኔር ክለብ፣ ከም X-men፣ batman፣ Superman ዝኣመሰሉ ናይ ሆሊዉድ ፊልምታት እንዳ-ረኣኹ ስለ ዝዓበኹ ማራ ዘኸየፈትኒ ብሂልያ። ነገር ግን ናይ እዝኒ ጥራይ እንተ ዝኸውን ደሓንዩ፡ ሓንቲ ኢድ ናይ ጓንቲን ሓንቲ ካልሲን ቀጻሊ ምጥፋእ ምስ ምንታይ ምቖጸርኩሞ? ፖርካ ላ ሚዘርያ ድዮም ዝብሉ ኣቦታት ኣስመራ….

መዓልቲ ምውድዳር ከይትመስለኩም እምበር ክቅጽል እየ። ኤውሮጳ ካብ ዝኣቱ ንግሆ ካብ ዓራት ወትሩ ደኺመ ምስ ተንሳእኩየ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣስመራ እንከለኹ፡ ንግሆ ተበሪሁኒን እኹል ኣዕሪፈን ተሓዲሰን እየ ዝትንስእ ነይረ። ኣብ ፈረንሳ ካብ ዝኣቱ ግን ልክዕ ከምዚ ባትራ ዝወደአት መኪና ምድፋእ ትደሊ፡ ካፈ ሻወር ሓዊሰ ነዘን ጨምጫማት የዒንተይ ኣንቁሕ ዘብለን። ከምቶም ንግሆ ምስ ተሳእኩም እንታይ ትገብሩ ምስ ተባህሉ `ሽዋየ ነዕርፍ` ኢሎም ድቃስ ድኻም ከም ዘለዎ ዝገልጹ ህኩያት ክኸውን ቁሩብ እያ ትተርፈኒ። ግን ሕይወት ከምኡ ኣይተፍቕድን እያ ኣብዚ።

ከማይ ዲኹም ከ እባ ? ንግሆ ምስ ተንሳእኩ ከምዚ ዓቢ ጉዳይ ዘሎኒ ቅድም ሞባይል ምኽፋት ካብ ዝለምድ ዓመታት ኣቁጺረ ኣለኹ። ተሌቪዥን ናይ ገዛይ ድማ ወላ ዘይርእያ ምሉእ መዓልቲ ተወሊዓ ትውዕል፡ ገዛ እትው ኢለ ቀዳመይቲ ዝገብራ ነገር ንሳያ፡ እንታይ ዝበልዎ ልምዲ ምዃኑ ኣይፈልጥን? ከምዛ ጠባይ ዘላትኩም እስከ ገለ በሉና ?

ሎሚ ሎሚ ዝበርሃለይ ዘሎ፡ ኤርትራውያን መማረርቲ ኢናሞ፡ ፈረንሳውያን ግን ካልኣይ የብሎምን። ምህዳም ጥራይ እምበር ሕክያ ተጀሚሮም ዘይክልዩኻ። ቸካይሶም ከኣ ዝገደዳ!

ግዳ ንሎሚ እስከ ናይ ቸካይስ ሕክያ ከዕልለኩም። ባርበኲ ተዓዲመ ክዳውንቲ ዓጻጽየ ኮታስ ኤሌጋንተ ኮይነ`የ ከይደ። ንክንጽረልኩም ከብደይ ካብ ዘጥፍኣ 6 ወርሒ ገይረ ኣለኹ። ከምዚ ቺክስ ቅርጸን ከርእያ ታይት ዝገብራ፣ ኣነ ውን እታ ብብዙሕ ሃልኪ ዘጥፋእካዋ ከብደይ ንምርኣይ ቦዲታት ሸሚተ (ድሕሪ ገለ እዋን ክስብሰባ ድየን ወላስ ክጅልዓ ዘይተፈልጣ)፡ንክረምቲ ኤውሮጳ ይከያየፈሉ ኣለኹ። ከመይ ድየ ኣምባሳደር ናይ ኣባሻውል !

ናብቲ ፓርቲ ክመልሰኩም፣ መቸም ኩሉ ግዜ ኣብ ፓርቲ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ ሒዝካ መስተ ከየብዛሕካ ምዕዛብ ሓደ ካብቲ ኬፍ ዝህበኒ ነገር`ዩ። እዚ ልምዲ`ዚ ኣብ ሻምሮክ-ኤክስፖ ዝተጠረየ ምዃኑ`ዩ።

ኩነታት ከምዚ`ሉ እንከሎ ሓንቲ ብ ሓደ 5ሰንቲ ሜተር ኣቢላ ትነውሓኒ ጽብቕቲ ፈረንጂ ጎርዞ ሰላም ድሕሪ ምባል ልግብ ኢላ ዕላል ከፈተትለይ። እዚ ክብለኩም እንከለኹ ቁሩብ ናይ ኣይ-ኮንታክት ኬፍ ሂበያ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ግን ደሓን ዘምጸኣና ንግበር…

`



ኤርትራዊ ኢኻ ምሽ` በለት ጓል`ያት ?

እዛ ልበይ ይብለኩም ምሽት ! `እዋእ ከመይ ኢልኪ ደኣ ፈሊጥኪ` እንተበልክዋ፣

 `እዋእ ኤርትራውያን ጽቡቕ ገይረ እየ ዝፈልጠኩም።`

ኣነ ድማ ሰናፍ ኣይኮንኩን `እሞ ደኣ ካብ ኢትዮጵያውያን ብኸመይ ትፈልይና`።

ኣነ ብወገነይ `ሕዚ` `ማ` `ብሱሩ` `እወ ዶ` ምስ ሰማዕኩ`የ እዚስ ካብ ደቡብ ወገን ወይ ሳውዛምፕተን ገለ ዝብል። ኣምሒር`ኳ ኖርሜክስ እየ ዝግጥሞም። ከመይ ድዮ ገጾም ቬትሮ ማክስ ዝመስል። ሃሃ….

ጓል`ያት ዘረባ ምቁራጽ ኣብያ፣

`እንታይ ደኣ በይንኻ ዲኻ መጺእካ` ወሰኸት።

 ኣነ ውን ትቕብል ኣቢለ `እወ ንምንታይ ደኣ ከምኡ ኢልክኒ` ብዝበልክዋ።

‘ኖ ማለት`ሲ ኤርትራውያን በይንኹም ኢኹም ብዙሕ ኣይትሕወሱን።’ እዚኣስ ሓቅኺ ግን ብውሽጠይ`የ፣ ቢራይ እንዳጨለትኩ..

`ስምዒ እስከ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኤርትራዊ ኢልክኒ?  ማለት`ሲ ኣይወረደትለይን`።

 ጓል`ያት ሰናፍ ኣይኮነትን

`ኣጠማምታኻ፣ ድፍረትካ፣ ኣዘራርባኻ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዘረባ ኣሕጽር ኣቢልካ ምምላስካ`።

`እዋእ ካልኦት ከ ?`

 ‘ደሓን ኣነ ይፈልጠኩም`የ። ደሓር ዓሌታውያን ኢኹም ! ሓደ ሰብ ጸዕዳ እንተ ተመርዕዩ ኤርትራዊያን የለዋን ድየን ኢኹም ትብሉ።’

ፈጠጥ ኮይና። እዚኣ ትግጥመና`ያ ኢለ ክሃድም ደልየ…..

ጸኒሓ ውን `ገታራትን ቅኑዓትን ኢኹም ምስ ወሰኸት፣` እሞ እዚኣስ ኤርትራዊ ሓዳር ገይሩላ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ ኢለ።

`ኤርትራዊ ዓርኪ ኔሩኪ ድዩ ?` ኢለ ከኣ ሕቶ ኣልግብ ኣበልኩ።

`እወ ነይሩኒ ! ገዲፉኒ ምስ ጓል ዓድኹም ተመርዕዩ` ምስ በለትኒ።

‘እህም እንታይ ትብሊ ጓለይ` ኢለ ስቕ በልኩ።

 ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቺክሰይ ብፊት ርእያትኒ ከምዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ ዘስምዕ ኣጠማምታ፣ ሕለፍ ኣንታ ጀልፋፍ ዝዓይነቱ ገይራ፣

`ዶን-ነዓ በለት !!` ኣነ ኸኣ ከይተገጠምኩ ወልሓንቲ ኣይገበርኩን ዝዓይነቱ ሸኽሱ ዘለዎ ኣጠመምታ እንዳ ገበርኩ ኣንፈተይ ናብኣ ገበርክዎ፣

ፈረንሳዊት ሆየ ኣልግብ ኣቢላ

`ኢለካ ኮ በይንኩም ኣይትኸዱን ኢኹም።
ሀሀ


ካብ ጽሑፋት ዲያሪ

ካልኣይ ክፋል ኣብ ቀጻሊ….




 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...