Tuesday, August 3, 2021

ኣለምሰገድ ተስፋይ፣ ሓደ ካብ ጸለውቲ ኤርትራውያን ደረስቲ

ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛን ምስናድ ታሪኽ ኤርትራን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ካብ ዝገብሩ ዘለዉ ዜጋታት ሓደ እዩ። ብፍላይ እተን `ኣይንፈላለ’ ዝብላ መጽሓፍቲ  ዳርጋ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከብሒ መጻሕፍቲ ሃሰስ ኢልካ ዘይሰኣና እየን።

ገለ ካብ ስርሓቱ ምስ ንዕዘብ፣-

ወዲ - ሓደራ

ካብ ባድመ ናብ ሳሕል

ልኡል

እቲ ካልእ ኩናት

 ልቢ ተጋዳላይ

 ክልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት

 ጊታኖ

ጥምጥም ኣብ ገጀረት ዝኣመሰሉ ክጥቀሱ ይኽእሉ።

 እዚ ደራሲ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ውን ብዙሕ ስራሕ ኣበርኪቱ`ዩ። Two weeks in Trenches እትብል ሓጻር ታሪኽ ውን ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዋ ብቕዕቲ ጽሕፍቲ ምኳና`ዩ ዝንገረላ። ብዘይካኣ ውን post conflic eritrea ( co-editor with Martin Dornbos, 1998) እትብል ናይ እንግሊዘኛ መጽሓፍ ኣበርኪቱ`ዩ።

ብቕዲ ኣጸሓሕፍኡን ዘይብተኽ ዋሕዚ ሓሳባትን ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብቕዓትን ምልከትን ቋንቋ ትግርኛ ብኣምበብቲ ወትሩ ምስ ተደነቐ`ዩ። ኣለምሰገድ ንታሪኽ ብመሳጢን ብኣዛናዪን መንገዲ ገይሩ ስለ ዘቕርቦ ከተንብቦ ጽሑፋቱ ኣይዓጽቀካን`ዩ።

 ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ 1944 ኣብ ዓዲ ዃላ ተወሊዱ፡፡ 1969 ኣብ ኢትዮጵያ፡ 1972 ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት

ኣመሪካ ብሞያ ሕጊ ናይ ባችለርን ማስተርስ ማዕረግ ተመሪቑ። 1974 ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ክሳብ ናጽነት ኣብ ክፍልታት ህዝቢ፡ ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ምንቅቓሕን ዜና ኣገልጊሉ፡፡ ንሱ ኣብዚ ግዜ`ዚ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምርምርን ስነዳን ኤርትራ RDC ብምኳን`ዩ መጽናዕታዊን ምርምራዊ ስራሓት ኣብ ምክያድ ዝርከብ።

 

No comments:

Post a Comment

ሓሳብ ልብና ዝሰምረሉ ወቕተ-ጽድያ ይግበረልና!

  ወርሒ ጽድያ ምውጻእ ቁሪን ምብራቕ ጸሓይን ዝተኣሳሰር ወቕቲ`ዩ። መዓልታት እንዳ ነውሐ፣ ለይቲታት ከኣ እንዳሓጸረ ዝኸደሉ እዋን`ዩ።   ስለዚ እዚ ወርሓት ተስፋ ዝዓስለሉን ጽቡቕ ምብራቕ ጸሓይ ዝረኣየሉ እዋን ምሕዳስን...