Sunday, July 11, 2021

ሞያ ዋና ኣለዎ፣ ጋዜጠኛታት ክብርኣብን ኣማኒኤልን እቶም ብኩሉ መለክዒታት ብሉጻት ኤርትራውያን ዩቱበራት

ኣብ ዩቱብ ብዙሓት ዘይፈልጡን ክፈልጡ ዘይጽዕሩን ተልመዴን ጸሚምና ኢና። እዚ ማለት ግን ብሉጻት የለዉን ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ ሒደት ኣዋርሕ ግን ብቐረባ ዝፈልጦምን መሳርሕተይን፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዘድንቖም ጋዜጠኛታት ኣብ ዩቱብ ዓቲቦም ክነጥፉ ብምጅማሮም ዳርጋ ኩሉ መንእሰይ ኣፍቃሪ ስፖርት ሩፍታ’ዩ ረኺቡ። ብዓለም ደረጃ ተወዳዳሪ ክበሃል ዝከኣል ዜናታት ስፖርት ኣብ ሰዓታ ናብ እዝኒ ኣፍቃሪ ስፖርት የብጽሕዎ ኣለዉ። ኣናብባ፣ ጽፈት ኣቀራርባ፣ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ምውካስ፣ ዋሕዚ ቃላት፣ ዕምቊት ዘለዎ እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ሰዓቱን መዓልቱን ሓዊ ሓዊ እንዳ ጨነወ ኮፍ የብሉዎ። ብሓጺሩ ኣብ ደቓይቕ ሰዓታት ዝወስድ እዋናዊ ዜናታት ተጸሙቊን ተፈትፊቱን ኣብ ቻነላቶም
COMSHTATO TUBE https://cutt.ly/9mUXSvf ተሰቒሉ ትረክቦ።
እዞም ክልተ ጋዜጠኛታት ናይ ስራሕ መወዳደርቲ`ኳ እንተኾኑ፣ ኣዝዮም ዝፋተዉ ኣዕሩኽን ናይ ነዊሕ ዓመታት መሳርሕቲ’ዮም። እዚ ከኣ ብኩሉ መለክዒታት ኣብነታውያን ይገብሮም።
ስለዚ’ስ ጉዳይ ዩቱብ ቀስ ብቐስ ናብ ሰብ ሞያ ክትከይድ ምዃና ዘርእይ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ክብሪን ኤማን ብሉጽ ስራሕ እንዳበልኩ ካብዚ ዘለኹሞ ንላዕሊ ክትብርትዑን እላበወኩም። ተስፋ እገብር ኣብ ቀረባ መጻኢ ብቑዕ ስቱድዩ ከፊትኩም ቀጥታዊ ፈነወ ትፍንውሉ ግዜ ክመጽኣና።
ካባኹም ብዙሕ ክንጽበ ኢና
ሓውኩም ዶን-ዲናር

No comments:

Post a Comment

Mekdes Woldu Shatters French Marathon Record at Barcelona

Mekdes Woldu, the French-Eritrean athlete, has made headlines by breaking a national record for France in the Barcelona Marathon, finishing ...