ንባምቡላ ባርቢ ዘይፈልጥ ሰብ ወይ ዘይረኣየ ክህሉ ኣይክልን`ዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ እትውንና መጻወቲ ስለ
ዝኾነት። ዛጊት ክሳብ እዛ መዓልቲ ከባቢ ሓደ ቢልዮን ባርቢ ኣብ ዕዳጋ ከምዝወረዳ ይንገር። እዚ ቁጽሪ ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ
ዝሰጋገራ ባርቢ ዝውክል ኣይኮነን፣ ኣብ ሓደ ካልኢት ድማ 3 ባምቡላ ባርቢ Barbie dols ይሽየጣ። እዛ ጽሑፍ ከተንብባ
ዝወስዳልካ ሒደት ደቓይቕ ከኣ 540 ባርቢ ክሽየጣ ይኾና`የን። ምስ ምምሕያሽ ቁጠባ ዓለም ከኣ እዛ ባምቡላ ዓመታዊ ልዕሊ
12% ዕብየት ናይ መሸጣ ተርኢ ኣላ።
ቅድሚ 62 ዓመታት ብ1959 ኣመሪካዊ ትካል Matte ናይ ፈለማ ባርቢ ንዕዳጋ ኣውሪዱ። Barbie ካብ Barbara ዝብል ስም ጓል ናይ ምክትል ሓላፊት ትካል መፍረ ባምቡላ ማልት Ruth Handler ዝተራዕመ`ዩ። ንሳ ጓላ ባምቡላ ትፈቱ ስለ ዝነበረት`ያ ነዚ ስም መሪጻቶ።
ኣብ 1980 ከኣ ንኣፍሪቃውያን ናብ ዕዳጋ ንምእታው ተባሂሉ ጸላም ዝሕብራ ባርቢ ክትተኣታቶ ክኢላ። ኣብ 2000 ዓ.ም ድማ ስፖርታዊ ቅርጺን ሕምብርቲን ዘለዋ ኮይና ተማሓይሻ
ናብ ዕዳጋ ተዘርጊሓ።
ንባርቢ ከም ሰብኣያ/በዓል-ቤታ ባድላ ገይሩ ኣብ ጎድና ዝቕመጥ ባንቡላ ድማ ከን/ken ይበሃል። እዛ ባምቡላ ኣብ 2004 ምስ ሰብኣይ ተፈላልያ። ባርቢ ሓንቲ ንዓለም ካብ ዝለወጣ ምህዞታት`ያ ይበሃል፣ ብዙሓት ድማ ነዚ ስነ-ሓሳብ ይሰማምዕሉ።
Ruth Moskowicz እትበሃል እስራኤላዊት ጎርዞ ልክዕ ንባርቢ ትመስል ብምዃና ጥራይ ኣብ መላእ ዓለም
ፍልጥቲ ክትከውን ክኢላ`ያ። ኣብዚ ግዜ`ዚ ከኣ ብዙሓት ጎራዙ ናይ ፕላስቲክ መጥባሕቲ ብምግባር ነዛ ባምቡላ ክመስላ ይጽዕራ ኣለዋ።
ወይ ጉድ….
መዘከርታ ወናኒት ብዙሓት ባርቢ ዝኾነት ጓል ሓፍተይ ዮላንዳ ትኹነለይ።
No comments:
Post a Comment