Monday, September 20, 2021

ብዛዕባ ህየሳ፣ ጥበብ ዋና ኣለዎ!

ሓደ ካብ ዘድንቖም ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ`ዩ፣ ኩለንትናኡ ስነ-ጥበብ እዩ !! ንደንደን እስማዒል @Denden Harmony ግለጾ እንተዝበሃል ሰፊሕ ዝርእይን ዓቢ ዝሓልምን ስነ-ጥበበኛ`ዩ ምበልኩ። ንሱ ብዙሓት ብሉጻት ናይ ደርፊ ግጥሚታት ዝሓደመ ከምኡ ውን ብዙሓት ብሉጻት ዜማታት ዝዘየመ`ዩ። ኣብ ድራማን ዳይረክቲንን ውን ሰናፍ ኣይኮነን፣ ብዙሓት መሳርሒ ሙዚቃ ይፍትን`ኳ እንተኾነ ኣብ ጊታር ልዑል ምልከት ኣለዎ።

ንስነ-ጥበብ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ብቤት ትምህርቲ ኣቢሉ`ዩ ተለልይዎ፣ ቀጺሉ ድማ ምስ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር ተጸምቢሩ። ንዓመታት ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ናይ ደረጃ ናይ ስነ-ጥበብ ትምህርቲ ቀሲሙ። ክሳብ ሕጂ ምስ ዳኒ ሬጌ፣ ብስራት ኣረጋይ፣ ኣብርሃም ኣቢ፣ ኣሌክሳንደር ካሕሳይ፣ ኢሳቕ ዑቕባይን ካልኦት ስነ-ጥበበኛታትን ንዓመታት ሰሪሑን ብዙሕ ኣበርኪቱን። ብባህላዊ መሳሪሒታት እትጻወት ጉጅለ ባህሊ ቦባ ዝመስረተን ብዙሕ ሙዚቃዊ ስርሓት ዘወሃሀደን እዩ። ብዘይካዚ ምስ ጉጅለባ ባህሊ ቦባ ብምዃን ንባህላዊ ሙዚቃናን ዜማታትና ምዕቡል ሙዚቃዊ ውህደት/ኣሬንጅሜንት ንክህልዎምን ከተኣታትወሎም ዝጸዓረን ኣብ ዓወት ዝበጽሐ ጻዕራም መንእሰይ`ዩ።

ሕልሚ ደንደን ኤርትራዊ ሙዚቃ ንምፍጠር`ዩ። እዚ ማለት ከም ሬጌ ናይ ጀማይካ፣ ካንትሪ ሚውዚክ ናይ ኣመሪካን …ወዘተን ማለት`ዩ። ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 50 ዝበጽሑ ባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ከምዘለዉ ይፍለጥ፣ ኩሎም ብግቡእ ክጽንዑን ክምለኹን ኣለዎም በሃላይ ድማ`ዩ። ከይጠፍኡ ከኣ ብኣኦም ተጠቒምካ ብሉጽ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ውን ቀጻሊ ዝብሎ ዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ብዓቕሙ ውን ሓርኮት ዝብል መንእሰይ`ዩ።

ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ክህይሱን ብዛዕባ ስነ-ጥበብ እንተተዛረቡን የጥዕመሎም ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ከምዚ ከማና ብዙሕ ፍልጠት ናይ ስነ-ጥበብ ዘይብሉ ዓቢ ትምህርቲ`ዩ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሕ ዘይበሰሉ ሃየስቲ ግን ወልሓንቲ ዘይፈልጡን ዘፍረይዎ ነገር ዘይብሎም ክነሶም፣ ኣብ ሓፋሽ ወጺኦም ብውልቂ ንስነ-ጥበበኛታት ክዝንጥሉን ከጥቅዑ ንርእይ ኣሎና። ዓገብ ዘብል ነገር ከኣ`ዩ…

ዝኾነ መንእሰይ ስነ-ጥበበኛ ኤርትራ ንደንደን ዘይፈልጦ የሎን። ምኽንያቱ ኣብ ብሉጻት ስራሓት ምፍራይ ወትሩ ተኣልዩ ኣይፈልጥን`ዩ። እዚ ፍሽኽታ ዝኣመሉ መንእሰይ ኣብ ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛት ዘለዎ ኣክብሮት ኣዝዩ ዘገርም`ዩ። ንሱ ብቓላቱ `ከይትትክንይዎም` በሃይ`ዩ። ምኽንያቱ ክንዳኦም ከይሰራሓና ብዛዕባኦም ክንዛረብ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ ስለ ዝኣምን`ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ውን ነዞም ነኣሽቱን ሓደስቲን ስነ-ጥበበኛታት ምትብባዕን ምእላይን`ዩ ዘድልዮም እምበር ብኣልማማ ብጸርፊን ኣሉታውነትን ምጥቃዕ ግን ንገስጋስ ስነ-ጥበብ ሃገርና ዕንወት`ዩ ይብል።

ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም ሃየስቲ ኢና በሃልቲ ተጋጊኹም ሰብ ተጋግዩ ከይትህልዎ ነብስኹም ፈትሹ።
ሓውና ደንደን፣ ካባኻ ብዙሕ ክንጽበ ኢና !!
ብዛዕባ ናይ ሄለን መለስ ከመይ ኢለ እትብል ደርፊ ብዑምቀት ሃይስዋ ኣሎ`ሞ ኣብዛ ሊንክ ኣላትኩም

https://youtu.be/bIbnUB14sKw

 

 

 

 

No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...