Monday, September 20, 2021

ብዛዕባ ህየሳ፣ ጥበብ ዋና ኣለዎ!

ሓደ ካብ ዘድንቖም ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ`ዩ፣ ኩለንትናኡ ስነ-ጥበብ እዩ !! ንደንደን እስማዒል @Denden Harmony ግለጾ እንተዝበሃል ሰፊሕ ዝርእይን ዓቢ ዝሓልምን ስነ-ጥበበኛ`ዩ ምበልኩ። ንሱ ብዙሓት ብሉጻት ናይ ደርፊ ግጥሚታት ዝሓደመ ከምኡ ውን ብዙሓት ብሉጻት ዜማታት ዝዘየመ`ዩ። ኣብ ድራማን ዳይረክቲንን ውን ሰናፍ ኣይኮነን፣ ብዙሓት መሳርሒ ሙዚቃ ይፍትን`ኳ እንተኾነ ኣብ ጊታር ልዑል ምልከት ኣለዎ።

ንስነ-ጥበብ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ብቤት ትምህርቲ ኣቢሉ`ዩ ተለልይዎ፣ ቀጺሉ ድማ ምስ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር ተጸምቢሩ። ንዓመታት ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ናይ ደረጃ ናይ ስነ-ጥበብ ትምህርቲ ቀሲሙ። ክሳብ ሕጂ ምስ ዳኒ ሬጌ፣ ብስራት ኣረጋይ፣ ኣብርሃም ኣቢ፣ ኣሌክሳንደር ካሕሳይ፣ ኢሳቕ ዑቕባይን ካልኦት ስነ-ጥበበኛታትን ንዓመታት ሰሪሑን ብዙሕ ኣበርኪቱን። ብባህላዊ መሳሪሒታት እትጻወት ጉጅለ ባህሊ ቦባ ዝመስረተን ብዙሕ ሙዚቃዊ ስርሓት ዘወሃሀደን እዩ። ብዘይካዚ ምስ ጉጅለባ ባህሊ ቦባ ብምዃን ንባህላዊ ሙዚቃናን ዜማታትና ምዕቡል ሙዚቃዊ ውህደት/ኣሬንጅሜንት ንክህልዎምን ከተኣታትወሎም ዝጸዓረን ኣብ ዓወት ዝበጽሐ ጻዕራም መንእሰይ`ዩ።

ሕልሚ ደንደን ኤርትራዊ ሙዚቃ ንምፍጠር`ዩ። እዚ ማለት ከም ሬጌ ናይ ጀማይካ፣ ካንትሪ ሚውዚክ ናይ ኣመሪካን …ወዘተን ማለት`ዩ። ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 50 ዝበጽሑ ባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ከምዘለዉ ይፍለጥ፣ ኩሎም ብግቡእ ክጽንዑን ክምለኹን ኣለዎም በሃላይ ድማ`ዩ። ከይጠፍኡ ከኣ ብኣኦም ተጠቒምካ ብሉጽ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ውን ቀጻሊ ዝብሎ ዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ብዓቕሙ ውን ሓርኮት ዝብል መንእሰይ`ዩ።

ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ክህይሱን ብዛዕባ ስነ-ጥበብ እንተተዛረቡን የጥዕመሎም ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ከምዚ ከማና ብዙሕ ፍልጠት ናይ ስነ-ጥበብ ዘይብሉ ዓቢ ትምህርቲ`ዩ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሕ ዘይበሰሉ ሃየስቲ ግን ወልሓንቲ ዘይፈልጡን ዘፍረይዎ ነገር ዘይብሎም ክነሶም፣ ኣብ ሓፋሽ ወጺኦም ብውልቂ ንስነ-ጥበበኛታት ክዝንጥሉን ከጥቅዑ ንርእይ ኣሎና። ዓገብ ዘብል ነገር ከኣ`ዩ…

ዝኾነ መንእሰይ ስነ-ጥበበኛ ኤርትራ ንደንደን ዘይፈልጦ የሎን። ምኽንያቱ ኣብ ብሉጻት ስራሓት ምፍራይ ወትሩ ተኣልዩ ኣይፈልጥን`ዩ። እዚ ፍሽኽታ ዝኣመሉ መንእሰይ ኣብ ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛት ዘለዎ ኣክብሮት ኣዝዩ ዘገርም`ዩ። ንሱ ብቓላቱ `ከይትትክንይዎም` በሃይ`ዩ። ምኽንያቱ ክንዳኦም ከይሰራሓና ብዛዕባኦም ክንዛረብ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ ስለ ዝኣምን`ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ውን ነዞም ነኣሽቱን ሓደስቲን ስነ-ጥበበኛታት ምትብባዕን ምእላይን`ዩ ዘድልዮም እምበር ብኣልማማ ብጸርፊን ኣሉታውነትን ምጥቃዕ ግን ንገስጋስ ስነ-ጥበብ ሃገርና ዕንወት`ዩ ይብል።

ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም ሃየስቲ ኢና በሃልቲ ተጋጊኹም ሰብ ተጋግዩ ከይትህልዎ ነብስኹም ፈትሹ።
ሓውና ደንደን፣ ካባኻ ብዙሕ ክንጽበ ኢና !!
ብዛዕባ ናይ ሄለን መለስ ከመይ ኢለ እትብል ደርፊ ብዑምቀት ሃይስዋ ኣሎ`ሞ ኣብዛ ሊንክ ኣላትኩም

https://youtu.be/bIbnUB14sKw

 

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...