Thursday, September 9, 2021

ኣትለት መቕደስ ወልዱ፣ ክልተ ዓበይቲ ዓወታት ኣብ ሓደ ሰሙን


ኤርትራዊት-ፈረንሳዊት ኣትለታት መቕደስ ወልዱ ኣብ ማዕከናt ዜና ፈረንሳ መዛረቢ ዛዕባ ኮይና ኣላ። ኣብ ዕለት 29 ነሓሰ ኣብ ከተማ `ረን` ፈረንሳ ዝተኻየደ ውድድር ናይ ፈረንሳ ቻምፕዮን ናይ 10ኪ.ሜ ናይ Track/ ውሽጥጢ ስታድዩም ኮይና። መቕደስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ኣብ ብሉጽ ብቕዓትን ኣቃውማን ከምዝነበረት ይፍለጥ። ብመንጽሩ ውን ኦሊምፒክ ክትወዳደር ዕድል ነይርዋ። እንተኾነ ብመስበርቲን ዝተሓለለኸ ናይ ምምሕዳር ጸገማት ናብ ቶክዮ ክትገይሽ ኣይከኣለትን። እንተኾነ ሞራላ ከይሰበረት ኣብዚ ዝተገብረ ናይ ትራክ ውድድር ንኹለን ፈረንሳውያን ኣትለታት ጸብለል ክትብለን`ያ ተራእያ።





እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ ሰሙን ናይዚ ዓወት ብዕለት 04 መስከረም ኣብ ዝተገብረ ናይ ጽርግያ ናይ ውድድር ውን ንኩለን ፈረንሳውያን ተወዳደርቲ ኣላሽ ከተብለን እያ ተራእያ። ድርብ ቻምፕዮን ናይ ፈረንሳ ኣብ ውድድራት ትራክን ጽርግያን ክትከውን ከኣ በቒዓ። ብዙሓት ሰባት ውን ስለምንታይ ኣብ ኦሊምፒክ ዘይተሳተፈት ዝብል ሕቶ የልዕሉ ኣለዉ….

ኣትለት መቕደስ ኣብዚ ብቕዓት ክትህሉ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ኣሰልጣኒኣ መንግስተኣብ ደስበለ እዩ። ንሱ ንመቕደስ


ጓል 13 ዓመት እንከላ`ዩ ኣብ ኤርትራ ኣሰልጣኒኣ ነይሩ። እዚ ምኩር ኣሰልጣኒ ንከም በዓል ዘርእሰናይ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኤርትራውያን ኣትለታት ናብ ዓወት ዘብጸሐ`ዩ። ኣትለት መቕደስ ውን ምስ`ዚ ኣሰልጣኒ ልምምዳታ ዳግማይ ክትሰርዕ ምስ ጀመረት ርኡይ ለውጢ ከምዝገበረት ናይ ቀረባ ሰዓብታ ይገልጹ። ኣብዚ ግዜ`ዚ ተቐማጢ ካናዳ ዝኾነ ኣሰልጣኒ መንግስትኣብ ምስ ኩሎም ኣትለታቱ ዘለዎ ርክብ ኩሉ ግዜ ብኢንተርነት`ዩ። መዓልታዊ ድማ ናቶም ስራሕን ልምምዳትን ብደቂቕ ይከታተል።

ህሉው ብቕዓት መቕደስ ዝራኣዩ ግዱሳንን ኣፍቀርቲ ስፖርትን፣ ፈደሬሽን ስፖርት ፈረንሳ FFA እዛ ኣትለት ቶክዮ ዘይምውድዳራ ብሕቶ የዋጥርዎ ኣለዉ። ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ፈረንሳ ድማ መዛረቢን መካትዒን ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ዋዕሮ ኤርትራዊት! ብኣኺ ወትሩ ኩሩዓት ኢና !!

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ምንታይካ ምዃኑ ዘይርደኣካ ተዘዝታ ዝፈጥር ሃዋህው እዩ ዘለዎ። በዓል ፋሲካ ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ሃገርና ኤርትራ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ድሙቕ ትርጉም ዘለዎ በዓል እዩ። ድሮ በዓለ ትንሳኤ ብልምዲ ...