Monday, April 18, 2022

ቅድስቲ ሰሙን ጾመ-ሕማማት


ጾም ማለት ምግታእ ነፍሲ ካብ መግቢን ማይን ጥራይ ኣይኮነን፣ እንተላይ ካብ ሕማቕ ግብሪን ልምዲን ኮይኑ ካብ ሃይማኖታዊ ጥቕሙ ሓሊፉ ኣብ ኣካላላዊን መፈሳዊን ዕረፍቲን ዘለዎ ጥቕሚ ልዑል’ዩ።


ኣብ እምነተ ኦርቶዶክስ እምበኣር ሰሙነ-ሕማማት ናይ መጸዳእታ ሰሙን ጾም ናይ ኣርባዓ እያ። ኣብ ውሽጣ ስማ ሓሙስ ጽግቦ : ዓርቢ ስቕለት : ቀዳም ስዑር: ትንሳኤ ተባሂለን ዝጽወዓ መዓልታት ዘጠቓለለት`ያ። እዛ ሰሙን ብዝርዝር ምስ ንርእያ…….

 

ሰምበት፣- ሆሳእና፣ ክርስቶስ ናብ እየሩሳሌም ዝኣተወላ ኮይና፣ ህዝቢ ብቆጽሊ ስየ ተቐቢልዎ

ሰኑይ፣- ክርስቶስ ቤተ መቕደስ ኣጽርይዎ

ረቡዕ፣- ክርስቶስ ንፋሪሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ተቓዊምዎም

ሓሙስ፣- ክርስቶስ ምስ ደቂ መጻምርቱ ናይ መወዳእታ መኣዲ ዝተቐረበላ መዓልቲ’ያ

ዓርቢ፣- ክርስቶስ ዝተሰቕለላ

ቀዳም።- ክርስቶስ ዝተቐብረላ

ሰምበት፣- ክርስቶስ ዝተንሰኣላ መዓልቲ`ያ








ኣብዚ ግዜ`ዚ ዳርጋ ኩሎም ክኢላታት ስነ-ኣመጋግባን ክኢላታት ስነ-ኣእምሮን ንጾም ክድግፉ ጀሚሮም ኣለዉ። ከም ዝብልዎ እንተ ኮይኑ ልክዕ ከም ንሓንቲ ላም ከም ድላያ ክትበልዕ እንተ ገዲፍካያ ቀልጢፋ እትመውት ሰብ ውን ከምኡዩ’ዩ በሃልቲ እዮም። ስለዚ’ስ ነፍሰ ምግታእ ኣካላዊን መንፈሳዊ ከምኡ ውን ኣእምራዊ ጥቕሚ ኣለዎ’ዩ።


ክርስቶስ ኣብ ምሕረቱ ይዘክረና፣ ቅዱስ ሰሙን ይግበረልና!!

 

 

No comments:

Post a Comment

Happy Bastille day! Vive la France!

  For a decade, France has been my cherished abode, a land that has captivated my heart with its unparalleled charm. The vibrant tapestry of...