Friday, May 6, 2022

ቢንያም ግርማይ: ናይ ኣቦታቱ ዝወሰደ ጅግና !

ቆርበተይ ሓፍ ክሳብ ዝብል ብሉጽ ብቕዓት ርእየ። እዚ ኩሉ ካብታ ድኻ ግን ከኣ ምጭውቲ ኤርትራ ወጺኡ ክትብሎ ምእማን የሸግረካ። ሜድያታት ዓለም ምሉእ መዓልቲ እንትርፎ ስሙ ካልእ ተቐዳዳማይ ክጽውዓ ዳርጋ ኣይሰማዕኩን።

ሎሚ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ እንትርፎ ብጉዳይ ስደት ብኻልእ ከልዕሉና ጠላሕ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ምዕራብ፣ ርእሶም ኣድኒኑ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ቲፎዙኡ ዝቐየረ ሓኔታይ`ዩ።

ዘይከም መብዛሕትና እንታይ ኮንኩም ቁምነገር ዘይትገብሩ፣ ዘይትምሃሩ፣ ዘይትጽዕሩ እንተተባሂልና መመኽኔታ ኢና ክንደሊ ንውዕል፣ ንስኻ ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ጻዕሪን ኣብ ራኢኻን ኣሎኻ።

ፎርሳ ፎርሳ ቢኒ ! እንቋዕ ናትና ኮንካ፣ ንነብስኻ ኮንካ ነዓና ከማን ሞራልን ተምሳጥን ኮንካና፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ተስፋ ኣፍሪቃ ተባሂልካ !! ናይ ብሓቂ ኮኾብ ኣፍሪቃ ኢኻ።  

 


No comments:

Post a Comment

Happy Bastille day! Vive la France!

  For a decade, France has been my cherished abode, a land that has captivated my heart with its unparalleled charm. The vibrant tapestry of...