Monday, May 16, 2022

ቋንቋ ትግርኛ ናብ ጉግል ኣትዩ፣ ደስ ዘብል`ዩ ግን…..

 


ኣብ ጉግል ክሳብ ሕጂ ከባቢ 340ሽሕ ቃላት ናይ ቋንቋ ትግርኛ ጥራይ’ዩ ኣትዩ ዘሎ። እዚ ድማ ምስ ሃብቲን ዕምቆትን` ዚ ቋንቋ ርኢኻ ኣዝዩ ውሑድ`ዩ። ኣብ መወዳእታ ናይዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት፣ እዚ ብዝሒ ናብ 600ሽሕ ክብ ከነብሎ ከም ውጥን ተታሒዙ ኣሎ። ነዚ ንምግባር ከኣ ከም ወትሩ ኣበርክቶ ህዝቢ ንጽውዕ።


እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ትምህርታዊ ጽሑፋት ተርጒምና ናብ ዊኪፐድያ ምእታው ጀሚርና ከም ዘሎና ክንሕብረኩም ንፈቱ። በብግዜኡ ስምኩም እትጽውዑ Challenge እትኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሰሙን ሓንቲ ኣርቲክል ናብ ቋንቋ ትግርኛ ክትርጉሙ ክትግደዱ ኢኹም። ብዙርያ ከኣ ንኩሉ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ክበጽሖ`ዩ። ኣብ ዊኪፐድያ ክሳብ 6 ሚልዮን ዓንቀጻት ይርከብ፣ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዊኪፐድያ ኣዝዩ ውሑድ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ትሕዝቶ`ዩ ዘሎ።

ትካል ጉግል ከም ቀዳማይ መወከሲ ዝጥቀመሉ platform ዊኪፐድያ ኮይኑ፣ እቲ ዝዓበየ ዲጂታል ቤት ንባብ ምዃኑ ውን ይንገረሉ። ከም ሕርያ ንክትርጎም ተመሪጹ ዘሎ ትሕዝቶ ከኣ ትምህርታዊ ዓንቀጻት`ዩ። እቲ ዕላማ ወትሩ ምድላብ ዲጂታላዊ ዓቕሚ ቋንቋና`ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ተማሃሮ ተወሳኺ መወከሲታት ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደኦም ንክረኽቡ ውን ሓጋዚ ክኸውን`ዩ። ስለዚ… ብጥንቃቐ ክንትርጉሞ ከምዘሎና ነተሓሳስብ።

ዝተርጎምኩሞ ትሕዝቶታት ቅድሚ ምእታዉ ናባና እንተኣቢልክሞ፣ ደሓን ምልከት ቋንቋ ዘለዎም ክኢላታት ክእርምዎ ክንሰደሎም ስለ ንኽእል ዝበለጸ`ዩ።
ንፍቕሪ ቋንቋ ትግርኛ !
@wikipedia_tigrinya_challenge 

No comments:

Post a Comment

ሓሳብ ልብና ዝሰምረሉ ወቕተ-ጽድያ ይግበረልና!

  ወርሒ ጽድያ ምውጻእ ቁሪን ምብራቕ ጸሓይን ዝተኣሳሰር ወቕቲ`ዩ። መዓልታት እንዳ ነውሐ፣ ለይቲታት ከኣ እንዳሓጸረ ዝኸደሉ እዋን`ዩ።   ስለዚ እዚ ወርሓት ተስፋ ዝዓስለሉን ጽቡቕ ምብራቕ ጸሓይ ዝረኣየሉ እዋን ምሕዳስን...