Sunday, May 22, 2022

ርሑስ በዓል ናጽነት፣ ፈጣሪ ንኤርትራ ዓጺፉን ደሪቡን ይባርኽ!

 


24 ግንቦት ነቶም ንመሬቶምን ህዝቦምን ዝወደቑ ኣጉባዝ ኣሕዋትና፣ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን እንዝክረላን ብታሪኾም እንሕበነላን መዓልቲ`ያ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ብቋንቋናን ብባህሊናን እንኾርዓላ ናትና እንብላ ንእሽቶ ግን ከኣ ብታሪኽ ዓባይ ዝኾነት ሃገር ስለ ዝተረከብናላ ፍልይቲ መዓልቲ`ያ።

ኤርትራ ዓደይ፣ ኩለንትናኺ ሓምላይ እትኾንሉ ዘመን ይምጻእኪ! ኲናትን ወረ ኲናትን የርሕቐልኪ። ሰብኪ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳታት ዘገዳምን ዘቤትን ሃዲኦም ብሰላም ዝነብሩላ መሬት ይግበርኪ። እዛ ባንዴራ ናይ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ፍጡር ሰብ ጥራይ ዘይኮነት`ስ እንተላይ ናይቲ ኣብዛ መሬት ዘሎ ገረብ፣ እንስሳ፣ ሓመድ፣ ጎቦ፣ ኣየርን ማይን ምዃኑ ክርደኣና ኣለዎ።

ኩሉ ግዜ ብሃገርና ንሕሰብ፣ ንሃገርና ከኣ ዝከኣለና ንግበር፣ ከም ኣቦታትና ኣብ ሓቂ ከኣ ንጽናዕ።

በዓል ናጽነት ኤርትራ ንኩላትና ዓወትን ሰናይ ዘመንን ሒዙልና ይምጻእ!

Happy Independence Day, Eritrea!

No comments:

Post a Comment

Happy Bastille day! Vive la France!

  For a decade, France has been my cherished abode, a land that has captivated my heart with its unparalleled charm. The vibrant tapestry of...