Thursday, June 2, 2022

ጆኒ-ደፕ ሞጒቱ ተዓዊቱ ! `ኣብ ኤውሮጳ ጓል ኣንስተይቲ ክብርቲ`ያ` ዝይብስልቲ ብሂል ሓበሻ

 


ህቡብ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ጆኒ-ደፕ ብበዓልቲ ቤቱ ነበር ኣምበር ሀርድ  ዝተመስረተሉ ጸለመ ንክመልስ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት-ፍርዲ ክመላለስ ከምዘሕለፎ ይፍለጥ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝተበየነ ፍርዲ ከኣ ካብ ኩሉ ክሲ ናጻ ተባሂሉ። ኣብ ዓለም ከኣ እቲ ጸኒዑ ንሓቂ ተቓሊሱ ዝተዓወተ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

ንምንታይ ብዛዕባ ጆኒ-ደፕ ክዛረብ ደልዩ ኢልኩም ትኾኑ ኢኹም...  ክዛረቦ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ ግን ወላ ደቂ ተባዕትዮ ኣደዳ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝኾኑን ብዘይወዓልዎን ዘይፈጸምዎን ሂወቶም ዝበላሾ ኣእላፍ ከምዘለዉን ክሕብር ስለ ዝደለኹ`የ።

ኣብዚ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ንህቡብት ሰባትን ፖለቲከኛታት ብዓመጽን ከሲሰን ከዋርዳኦም ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ`ዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ምስ ንዕዘብ ዳርጋ ኩሎም ህቡባት ሰባት ናይ ዓመጽ ክሲ ተመስሪትሎም`ዩ። እንተኾነ ኣብ ከይዲ ናይ ፍርዲ ግን ትዕወት ጓል ዳርጋ የላን፣ እንተኾነ እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ሓዳሮምን ሞያኦምን ዓቢ ዕንወት ይወርዶም፣ ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ውን ኣዝዩ`ዩ ዝኸብዶም። በዚ ከኣ ኣደዳ ጭንቀት ይኾኑ።

ተዋሳኢ ጆኒ-ደፕ ኣብ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ኣፈ-ቓል፣ `ውሳኔ ቤትፍርዲ ብዘየገድስ፣ ኣነ ተሳዒረ`የ፣ ፍቱው ተዋሳኢ ዝነበርኩ ኩሉ ሰብ ጸሊኡኒ፣ ስርሐይ ተበላሽዩ፣ ኩሉ ሰብ ብዘይወዓልክዎ ኣቐዲሙ ፈሪዱኒ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ብሓጺር ኣገባብ ኣብ 6ዓመታት ልዕሊ 40 ሚልዮን ኣታዊታት ክገብር ምተገባኦ፣ ከምኡ ውን ዓሰርተታት ብሉጻት ፊልምታት መፍረየ ነይሩ።

ኣብ ኤውሮጳ ብብዝሒ ብደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ እትድገም ዘረባ ኣላ። ንሳ ከኣ `ጓል ኣብ ኤውሮጳ ክብርቲ`ያ`። ሓንቲ ጓል ሄዋን እዚ ክትብለካ እንከላ፣ ኣብ እንዳ ፖሊስ ከይዳ ምስ እትዛረብ ቀዳመይቲ ተሰማዒት ምዃናን፣ ሂወትካ ተረጋጊኣ ከተባላሽወልካ ከምእትኽእልን እያ ተጉባዕብዓልካ ዘላ ማለት`ዩ።

ሓደ ግዜ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትቕመጥ ኤርትራዊት ሓፍቲና ይግበር ኢላ ንሰብኣያ ሃሪሙኒ ኢላ ከሲሳቶ። ፖሊስ ቀስ ኢሎም መርመራ ጀሚሮም፣ ነዊሕ ግዜ ከኣ ወሲዶም። ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ኣብ ነብስኺ ዝረአ ጉድኣት ስለ ዘይረኣና፣ ምስክር ውን ስለ ዘይብልኪ ንገብሮ የብልናን ኢሎም ኣፋንዮማ። ግድን ከኣ እታ ሓዳር ፈሕ-ጭንግራሕ ኣቲዋ። ዕረቑኒ እንተበለት ከኣ፣ ሓውና ኣይምለስን ኢሉ ሓኒኹ፣ እንታይ ክደግም ደኣ`ኸ።

ስለዚ`ስ ደቂ-ኣንስትዮ ዓድና ኣይትዓሽዋ፣ ጓል ክብርቲ`ያ ኢልክን ነፊጽክን ኣብ ክሲን ካልእን ኣይትጓየያ፣ ከምዛ ናይ ወይዘሪት ኣምበር ሀልድ ኣደዳ ክሳራን ሕስረትን ምዃን ኣሎ።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...