Tuesday, June 7, 2022

ኩላትና ብሞያና ከም ናቱ እንተንኸውን፣ ኤርትራ ከመይ ምተለወጠት ነይራ!

ንናቱ ግለጾ እንተ ትብሉኒ፣ ``ርእይ ኣቢልካ positive energy ዝተፍእ ዓይነት መንእሰይ`ዩ’’ ምበልኩ። ዝገበረን ቃለ-መሕትት ዳርጋ መብዛሕትአን ተኸታቲለየን`የ። ኣዘራርባኡ ድማ ድራማ ዘይብሉን ዝመስሎ ብትሕትና ዝዛረብ ቅኑዕ ሰብ ምዃኑ ቀልጢፉ ይርድኣካ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ዜሮ ተበጊሱ ምስ ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ፣ ኩሉ ዘድልዮም እንዳ ተማልኣሎም ዝዓበዩ ተቐዳደምቲ ይወዳደርን ይስዕሮምንን ምህላዉ ኩርዓት ኤርትራውያን`ዩ። ናቱ ቁሪን ኣስሓይታን ጸሓይን ንፋስን ከይ በለ ጸሓይ ከይበረቐት ምስ ብጾቱ ንልምምድ ብሎኮታት ባጽዕን ከረንን ዓቐብ ሸከቲን ዓርበ-ረቡዕንን ይረአ ነይሩ። ወልሓንቲ ዝሓዞ ነገር ኣይነበሮን እንትርፎ ክገብር`የ ዝብል ራኢ።

ብዙሕ ኤርትራዊ ኣብ ስደት ብዙሕ ዕድላት እንከለዎ፣ ኣብ ክንዲ ትመሃርን ትሰርሕን፣ ከማርርን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክትጻረፍ ዝውዕል መንእሰይ ዓቢ መልእኽቲ`ዩ።

ድሕሪ ደጊም`ሲ ርዕያ ኣማኻርን ሓጋዝን ኰስኳሲን ወይ role models ንምዕራባውያን ረሲዕና፣  ናብ ከማና ኤርትራውያን  ከነብል ከም ዘሎናን፣  እኹል ዓቕሚ ዘሎና ሓያላት ህዝቢ ምዃንናን ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ።  ኤርትራውያን ከነዛርቦም ኢና ክንብል እንከሎና ብዘረባ ኣይኮንናን ግን ብስራሕ`ዩ።


1 comment:

  1. These random quantity turbines, particularly these utilized in online casino video games, work via a pre-programmed list of potential numerical outcomes. This is known as pseudo-random, as opposed to actual life casinos, cube rolls and lottery tickets which might be} actually random. The quantity you deposit influences only the value of any matching bonuses you sign 우리카지노 up for. However, once as} you've got deposited actual money, the quantity you guess can affect a slot recreation by unlocking recreation features out there only at greater wager levels. This is very true on progressives, where a most is sort of} at all times required to hit the progressive.

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...