ንናቱ ግለጾ እንተ ትብሉኒ፣ ``ርእይ ኣቢልካ positive energy ዝተፍእ ዓይነት መንእሰይ`ዩ’’ ምበልኩ። ዝገበረን ቃለ-መሕትት ዳርጋ መብዛሕትአን ተኸታቲለየን`የ። ኣዘራርባኡ ድማ ድራማ ዘይብሉን ዝመስሎ ብትሕትና ዝዛረብ ቅኑዕ ሰብ ምዃኑ ቀልጢፉ ይርድኣካ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ዜሮ ተበጊሱ ምስ ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ፣ ኩሉ ዘድልዮም እንዳ ተማልኣሎም ዝዓበዩ ተቐዳደምቲ ይወዳደርን ይስዕሮምንን ምህላዉ ኩርዓት ኤርትራውያን`ዩ። ናቱ ቁሪን ኣስሓይታን ጸሓይን ንፋስን ከይ በለ ጸሓይ ከይበረቐት ምስ ብጾቱ ንልምምድ ብሎኮታት ባጽዕን ከረንን ዓቐብ ሸከቲን ዓርበ-ረቡዕንን ይረአ ነይሩ። ወልሓንቲ ዝሓዞ ነገር ኣይነበሮን እንትርፎ ክገብር`የ ዝብል ራኢ።
ብዙሕ ኤርትራዊ ኣብ ስደት ብዙሕ ዕድላት እንከለዎ፣
ኣብ ክንዲ ትመሃርን ትሰርሕን፣ ከማርርን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክትጻረፍ ዝውዕል መንእሰይ ዓቢ መልእኽቲ`ዩ።
ድሕሪ ደጊም`ሲ ርዕያ ኣማኻርን ሓጋዝን ኰስኳሲን ወይ role models
ንምዕራባውያን ረሲዕና፣ ናብ ከማና ኤርትራውያን ከነብል ከም ዘሎናን፣ እኹል ዓቕሚ ዘሎና ሓያላት ህዝቢ ምዃንናን ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ። ኤርትራውያን ከነዛርቦም ኢና ክንብል እንከሎና ብዘረባ ኣይኮንናን ግን ብስራሕ`ዩ።
No comments:
Post a Comment