Tuesday, June 14, 2022

ኣብ ስደት ዝተመሃርክዎ ነገራት …

ስደት ምስቲ ዘለዎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ፣ ከቢድ ፈተነ ሂወት ምዃኑ ኩሉ ዝኣምነሉ ሓቂ`ዩ። ኣብ ስደት እቲ ቀዳማይ ዘጥቃዓኻ ነገር እንተሃልዩ ጽምዋ`ዩ። ጽምዋ ብዙሕ እዩ ዓይነቱ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ብሰብ ተኸቢብካ ክነስኻ ጽምዋ ከጥቀዓካ ይኽእል`ዩ። ኣብ ስደት ዝኸበደ ነገር ክበሃል ዝኽእል ንዓኻ ዝመስል ዓርከ መሓዛ ምርካብ`ዩ። ኣብ ዓድኻ ኢንተርነት ስለ ዘየሎ ትፈትዎም ኣዕሩኽትኻን መቕርብካን ከተዕልል ኣይከኣልካን፣ ብኣንጻሩ ኣብ ስደት ከኣ ቅልጡፍ 5ጂ ኢንተርነት ኣሎካ ግን ደስ ኢሉካ ተዕልሎ ሰብ ወይ ግዜ የብሉን ወይ ከኣ ዳርጋ የሎን።

 

ኣብ ስደት ግዜ ተወንጪፉ`ዩ ዝኸይድ፣ ስለዚ ኩሉ እትገብሮ ነገራት ምስ ግዜ እንዳ-ተቐዳደምካ ክትገብሮ ምፍታን እቲ ዝበለጸ ኣካይዳ`ዩ። መደባትካ ከም ዝተለምካዮም ዘይክኸዱ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ብዙሕ ነገር ዕድል ክንፈገካ`ዩ። ብሕብርኻ ምስ ብቕዓትካ እንከሎኻ ዕድላት ክትስእን ኢኻ። ኣሕዋትካን ብሕብሮም ነዓኻ ዝመስሉ ሰባት ክጓድኡኻ እዮም። ግን ተቐቢልካዮ ዘገም እንዳበልካ ናብ ዕላማኻ ምጽናዕ እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ። ካልእ ኣማራጺ ውን የለን..

 

ኣእምሮኻ ክሕደስ ምእንቲ ናይ ዕረፍቲ መገሻታት ኣዘውትር፣ እዚ ድማ ንዓለም ንዝተፈላለየ ኩርናዓት ክትርእያ ክሕግዘካ`ዩ። ናይ ስለስተ መዓልቲ መገሻ ንኣዋርሕ ዝተሓደሰ መንፈስን መዕለሊ ኣርእስቲን ክኾነካ ይኽእል`ዩ።  ናይ ልዕሊ 10ታት መጽሓፍቲ ሓሳባትን ርድኢትን ክህበካ እዩ፣ ዓለም ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዝተፈላለየት ምዃና ክርደኣካ ርሒብ ባብ ክኸፍተልካ እዩ።

 

‘’ንስኻ ከም ኣመጋግባኻ ኢኻ’’ ዝብል ብሂል ኣሎ፣ ናይ ብሓቂ ከኣ ትኽክል`ዩ። ኣብ ገዛ ዝተኸሸነ መግቢ ዘይተዘውትር እንተኾንካ ጥዕና ኣካላትካን ኣቃውማኻን ኣብ ሓደጋ እዩ። ቅርጺ ኣካላትካ ሓንሳብ ምስ ዝበላሾ ከኣ ንኸተዐርዮ ብዙሕ ሃልኪን መስዋእቲን ዝሓትት ነገር`ዩ።

 

እንታይ ከምዝኾነ እንድዒ ኣካልካ ግን ድኽም ድኽም ክብለካ`ዩ። ስለዚ ስፖርት ምዝውታር መጋየጺ ዘይኮነ ግዴታ`ዩ ዝኸውን። ምክንያቱ ስፖርት ምስ ኣካላዊን ኣእምራዊን ጥዕናኻ ልዑል ምትእስሳር ስለ ዘለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ልዋም ለይቲ ክትድቅስ ይሕግዘካ`ዩ። እንተ-ዘይኮይኑ ኣካላትካ ምስ ግዜ ቀስ እንዳበለ ምስ ዕድመ ክምርት እዩ።

 

ኩሉ ሰብ ኮሊሉ ኮሊሉ ናብ ሓዳር`ዩ፣ ስለዚ ውስን ኣቢልካ ተጸጋዕ። ምኽንያቱ ድሕሪ ግዜ ሓዳር ምስ ገበርካ ግዜኻ ብኾንቱ ከም ዘጥፋእካ ክርደኣካ እዩ። ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬታ ከይኮነካ ድማ ኣሻብካ ሕሰበሉ። በይኑ ኮለል እንዳበለ ዝነብር ወዲ ብዛዕባ እተን ዘውጽአን ሞዴል ዝመስላ ደቂ ዓሰርተ ትሽዓተ ኣዋልድ ከይልለካ`ዩ፣ እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ቢራ እንዳ ሰተየ በይኑ ምስ ቴሌቪዥን ዘሕልፎ 99 ሚእታዊት ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ኣይነግረካን`ዩ።

 

ግዜ ከያዲ`ዩ። እተን ትምከሓለን ጸጉሪኻ በብሓደ ክስይባን ክበርሓን ክትዕዘብ ኢኻ፣ ዝገበርካ እንተገበርካ ከኣ እንትርፎ ምቕባል ካልእ ፍታሕ ከምዘየለ ዘክር ኢኻ። እቲ ትምከሓሉ ቆርበትካ ቀስ ኢሉ ድቃስ ዘይጸገበን ዝዓጠረን ክመስል`ዩ። ስለዚ ሓጎስ ካብ ውሽጥኻ ድለዮ እምበር ካብ ትርኢት ክትረኽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ።

 

ባዕለ-ንቕሓት ይሃልኻ፣ ዕድመ እንዳ-ወሰኽካ ብዝኸድካ ተመኩሮ ሂወት ውን እንዳ ወሰኽካ ክትከይድ ግድን ይኸውን፣ ሂወት ማለት ውህሉል ተመኩሮ`ዩ። ስለዚ ካብ ጌጋታትካ ተማሃር እምበር ካብ ጌጋታትካ ክትሃድም ግዜኻ ኣይተባኽኖ።

 

ንእሽቶ እንከሎኻ መስተ፣ ሽጋራን ሽሻን ኣዝዩ ሰሓቢ ነገር ኮይኑ ክርኣየካ ይኽእል`ዩ፣ እንተኾነ ግን፣ ምስ ግዜ ወናኒ ባዕኻኽ ኣስናን ዝፈረሰ ገጽን ክገብረካ ምዃኑ ተረዲእካ ካብ ሕጂ ከተወግዶ ፈትን። ኣብ ግዜ ንእስነትካ እተጥፍኦ ግዜን እትገብሮ ጌጋ ውሳኔታትን ኩሉ ግዜ እንዳ ኸፈልካሉ ከም እትነብር ኣይትረስዕ። ስለዚ ካብ ሎሚ ተጠንቂእካ ምስጓም ከድሊየካ`ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጽባሕ እትብል ቃል ካብ መዝገበ-ቃላትካ እለያ። ምኽንያቱ ሎሚ ጽባሕ ምዃኑ ክትዝክር ስለ ዘሎካ።

 


 

ፈጣሪ ባዕሉ ስደትና የሕጽረልና…

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...