Monday, June 27, 2022

ፍሉይ ሓይሊ ዘለዋ ባንዴራ ኤርትራ

 
ስርሓት ቻይና ዝኾነ ፍርያት ርእይ ኣቢልና ዝበዛሕና ብቁዕ ዘይኮነን fake እዩ እናበልና ምቁሻሽና ጥራይ ከይኣክል ብቻይና ጥዑይ ነገር ዝመጽእ ዘይመስል ጌርና ክንሓስብ ንርአ ኢና። ብዙሓት ምህዞታት ግን ኣብ ቻይና ዝጀመሩ እዮም፡ ፈጠራውነት ኣብ ሰርወ-ንግስነት ቻይና ካብቶም ብብዝሒ ዝተራእዩ እዮም። ንኣብነት ጥራይ ክኾነና ሻሂ፡ ቡሰላ (compas)፣ ኣልኮል ዘለዎ መስተ፡ ሮኬት ገለ ካብቲ ብዙሕ`ዩ። ብቀንዱ ድማ ነዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ኣብ ቻይና ብተራ ጨርቂ ንመለለይ ተባሂሉ ዝተጀመረ ሰንደቕ-ዓላማ ወይ ባንዴራ እዩ።

 

ባንዴራ ናይ ሓንቲ ሃገር ዝውክል መለለዪን መፍለዪን ኣርማ ኣለዎ ሰንደቕ ዕላማ`ዩ። ሓደ ባንዴራ ብሕጊንንጋገን ናይታ ሃገር` ዝጸድቕ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ምስ ታሪኽ ናይታ ሃገር ምትእስሳር ዘለዎ`ዩ። ብዛይካ እተን ከም ሞባእ ናጽነተን ዝተዋህበን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተሰነዓለን ባንዴራታትን ገዲፍካ ማለት`ዩ።

 

ኣብ ዓለም ናይተን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተዋህበን 195 ሃገራት ይውክለና ዝብልኦ ሰንደቕ ዓላማ ከም ዘለወን ይፍለጥ። ሃገረ ደንማርክ ድማ እታ ዝጠንተወ ባንዴራ እትውንን ሃገር ኮይና፣ ኣብ 2019 መበል 800 ዓመት ናይ ባንዴራኣ ኣብዒላ። ዕለት 15 ሰነ ኣብዛ ሃገር ሃገራዊ በዓል ኮይኑ1219 ኲናት ሊንዳኒስ ዝተዓወትሉ መዓልቲ የብዕሉ። ዴንማርካውያን እዛ Dannebrog ኢሎም ዝጽውዕዋ ባንዴራ ካብ ሰማይ ዝወደቐት` ኢሎም እዮም ዝኣምኑ።

ብባንዴራ ዝጀመረ መለለይ ንሃገራት፡ ጸኒሑ ንትካላት ካብኡ ሓሊፉ ንናይ ስፖርት ጋንታታት እናበለ ኣብ ብዙሕ ከም ምልክት ወይ ሕላገት ኮይኑ ካብ ዝዝውተር ሓያለይ ኣቁጺሩ ኣሎ። ሓባራዊ መግለጺ ኮይኑ ዝቕጽል ሕብሪ ባንዴራ ድማ ምልክት ሰላም ዝኾነ ብጻዕዳ ጨርቂ ዝግለጽ ብፍላይ ኣብ ጥንታዊ ዓውደ ውጉኣት ኣእኺልና ኢና ሞትን ወረ ሞትን የብቕዕ ዝብል ምልክት ኮይኑ ኣገልጊሉ`ዩ።

 

 ናብ ሃገርና ምስ ንምለስ ናይ ፈለማ ባንዴራ ኤርትራ 15 መስከረም 1952 እያ ወግዓዊት ኮይና። እዛ ባንዴራ ሃሳስ ሰማያዊ ዝሕብራ ኣብ ማእከላ ከኣ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዘለዋ`ያ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ባንዴራ፡ ሰንደቕ ዕላማ ኤርትራ ሰለስተ ሕብሪ ዘለዋ ኣብ ማእከላ ከኣ ብጫ ኣውሊዕ ዘለዋ ኮይና ርዒማ። ኣብዛ ባንዴራ ከኣ፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዘሕለፎ ምረት፣ መስዋእቲ፣ መጻኢት ኤርትራ፣ እቲ ምንጪ ኩሉ ተጻብኦ ዝኾነ ባሕራ፣ እቲ ብውሑድ ማይ ዝበቁል ኣቑጽልታ ኮታስ ኩለንትናኣ ነዛ ሃገር ይውክላ ዝተባህለ ኣብዛ ባንዴራ ኣሎ። እዛ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣልፍጦ ዝተዋህባ ባንዴራ ኤርትራ
ነፍሲ ወከፍ ዘለዉዋ ሕብሪታት ከኣ ዓሙቚ ትርጉም ዘለዎም`ዮም።

ቀይሕ፣ መስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ

ሰማያዊ፣ እቲ ሃብታም ባሕራ

ቀጠልያ፣ ማሕላ ደቃ፣ ክትግረብን ሓምላይት ሃገር ክትከው ምዃናን

ብጫ፣ ኤርትራ ኩሉ መሬታ ብማዕድን ሃብታም ምዃኑን ይሕብር። ብሓሳብን ብመጽናዕትን ከም ዝተገብረ ዝገልጽ እምበኣር እቲ ብደም ዝተኸፍለ ዋጋን ኲናትን እናወደአ ወይ እናጸበበ እቲ ሰማያውን ቀጠልያን ድማ እናዓበየ ብምኻድ ንምጥቃም ሃብቲ ባሕራን እናሰፍሐ ክኸይድ ዘለዎ ልምዓታዊ መደባ ንምግላጽ ዝተገብረ`ዩ።   

 

ኣህዛብ ዓለም ንባንዴራታቶም መጸውዒ ስም ወይ ሳጓ ኣለዎም። ንኣብነት…
ካናዳ፣ ሓንሪ ቆጽሊ unifolie
ኩባ La Estrella Solitaria (the lonely star) ባሕታዊት ኮኾብ

ጃፓን Hinomaru (sun disc flag) ክቢ ጸሓይ

ፈርረንሳ tricolore ሰለስተ ዝሕብራ

ኤርትራውያን ከም ልምዲ ነዛ ባንዴራ ኣውሊዐ-ባንዴራና ከም ዝብልዋ ይፍለጥ።

 

ባንዴራ ኤርትራ ሓንቲ ፍሉይ ሓይሊ ካብ ዘለወን ባንዴራታት ዓለም`ያ። ገለ`ውን መንፈሳዊ ሓይሊ ኣለዋ ይብሉ። ነዚ ሓቂ ዘዳምቅ ነገር እንተሃልዪ ከኣ፣ ነዛ ባንዴራ ዝረኣዪ ጸላእቲ ልክዕ ከምዚ ኣፍሪቃውያን ብፍላይ ከኣ ናይጀራውያን ፓስተራት ብቋንቋታት ምጽላይ ዝብልዎ፡ ሽክብርሕ-ነባላስስው-ውውረቅቅቅክ-ክንንምልልምልላ ዝዝዝድዲኦኢኢኢ ኤአን ንብብ ህህህግግብፍ እንዳበሉ ……. ጋኔን ኣውጻእና ኢሎም ንህዝቦም ኣብ መሬት ፈፈው ዘብልዎ፣ ንጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እዛ ባንዴራ ኣብ መሬት ከም እተንገርግሮም ምንጪታት ይሕብሩ። ወረ ንገሊኦምሲ ክርእይዋ ይትረፍ ክሓስብዋ እውን ኣይደልዩን እዮም። ንገለስ ውጽኣትን ተምላስን ትገብረሎም` ኢሎማ።

ነዚ ክውንነት ንምርግጋጽ ኣብ ኮመንት ተኸታተሉ ኢኹም….

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...