Wednesday, July 13, 2022

ዋዛ ረቡዕ፣


ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ጋሻ መኣዝን ይጠፍኦ`ሞ፣ ንሰባት ይሓትት፣ እንተኾነ ዝኾነ ተገዲሱ ዝምልሰሉ ሰብ ሰኣነ። ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ከኣ ንሓደ ሰኽራም ክሓቶ ወሰነ።


ጋሻ፣- ዝሓወይ ናይዛ ከተማ ATM ወይ ባንክ ኣበይ ክረክብ ይኽእል ?
ሰኽራም፣- ናብ ጸጋም ተጠዊኻ ትኽ ኢልካ ኪድ ደሓር ክልተ ኣንጎሎ ናብ የማን ተጠወ ኢሉ ሓበሮ።

እቲ ጋሻ ከምቲ ዝተሓበሮ ገይሩ ከደ`ሞ ነታ ባንክ ረኸባ፣ ገንዘቡ ኣብ ጁባኡ ከእቱ በቕዐ። ደሓር ጸኒሑ እንዳ ተዛወረ እንከሎ ነቲ ሰኽራም ዓዕ እንዳበለ ረኸቦ`ሞ። ስምዓኒ ዝሓወይ ኣብዚ ከተማ ንዓሰርተ ዝኾኑ ሰባት ባንክ ኣበይ ኣሎ ኢለ ሓቲተዮም፣ እንተኾነ ግን ወላ-ሓደ ኣይመለሰልይን። እቲ እንኮ ዝመለሰለይ ሰብ ንስኻ ኢኻ፣ ስለዚ መንገዲ ኣምላኽ ክሕብረካ ኣፍቅደለይ በሎ።

ሰኽራም ወየ፣ ስምዓኒ ሓወይ ንስኻ ደኣ መንገዲ ባንክ ዘይፈለጥካስ መንገዲ ኣምላኽ ክትሕብረኒ ኢልዎ ይብለኩም።

ወደሓንኩም !
ብሩኽ መዓልቲ



No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...