Wednesday, July 13, 2022

ዋዛ ረቡዕ፣


ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ጋሻ መኣዝን ይጠፍኦ`ሞ፣ ንሰባት ይሓትት፣ እንተኾነ ዝኾነ ተገዲሱ ዝምልሰሉ ሰብ ሰኣነ። ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ከኣ ንሓደ ሰኽራም ክሓቶ ወሰነ።


ጋሻ፣- ዝሓወይ ናይዛ ከተማ ATM ወይ ባንክ ኣበይ ክረክብ ይኽእል ?
ሰኽራም፣- ናብ ጸጋም ተጠዊኻ ትኽ ኢልካ ኪድ ደሓር ክልተ ኣንጎሎ ናብ የማን ተጠወ ኢሉ ሓበሮ።

እቲ ጋሻ ከምቲ ዝተሓበሮ ገይሩ ከደ`ሞ ነታ ባንክ ረኸባ፣ ገንዘቡ ኣብ ጁባኡ ከእቱ በቕዐ። ደሓር ጸኒሑ እንዳ ተዛወረ እንከሎ ነቲ ሰኽራም ዓዕ እንዳበለ ረኸቦ`ሞ። ስምዓኒ ዝሓወይ ኣብዚ ከተማ ንዓሰርተ ዝኾኑ ሰባት ባንክ ኣበይ ኣሎ ኢለ ሓቲተዮም፣ እንተኾነ ግን ወላ-ሓደ ኣይመለሰልይን። እቲ እንኮ ዝመለሰለይ ሰብ ንስኻ ኢኻ፣ ስለዚ መንገዲ ኣምላኽ ክሕብረካ ኣፍቅደለይ በሎ።

ሰኽራም ወየ፣ ስምዓኒ ሓወይ ንስኻ ደኣ መንገዲ ባንክ ዘይፈለጥካስ መንገዲ ኣምላኽ ክትሕብረኒ ኢልዎ ይብለኩም።

ወደሓንኩም !
ብሩኽ መዓልቲ



No comments:

Post a Comment

ሓሳብ ልብና ዝሰምረሉ ወቕተ-ጽድያ ይግበረልና!

  ወርሒ ጽድያ ምውጻእ ቁሪን ምብራቕ ጸሓይን ዝተኣሳሰር ወቕቲ`ዩ። መዓልታት እንዳ ነውሐ፣ ለይቲታት ከኣ እንዳሓጸረ ዝኸደሉ እዋን`ዩ።   ስለዚ እዚ ወርሓት ተስፋ ዝዓስለሉን ጽቡቕ ምብራቕ ጸሓይ ዝረኣየሉ እዋን ምሕዳስን...