Sunday, July 31, 2022

ስድነት መስመሩ ኽስሕት እንከሎ

 

እዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም መልክዐኛ መንእሰይ ካመሮን ሀሪን ይበሃል። ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ብ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ክህልዎ እንከሎ፣ ኣብ ቲክቶክ ጥራይ ልዕሊ 2ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዎ። እዚ መንእሰይ ክቡራትን ሓይሊ ናህሪ ዘለወን መካይን ጌርካ ናይ ጎደና ቅድድም/ኮርሶ መኪና Street racing ምግባር ዳርጋ ናይ መዓልታዊ ስርሑ`ዩ ነይሩ፣ ዝረገጾ ናህሪ ድማ ብቀጥታ ኣብ ቲክቶክ/ኢንስታግራም የተሓላልፎ ነይሩ። ብሓፈሻ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ቲክቶክ ዘይሕጋዊ ናይ ጎደና ቅድድም ማኪና street racer ክሳብ 2.2 ቢልዮን ተኸታተልቲ ከም ዘለዎ ይፍለጥ፣ መብዛሕትኦም ሰዓብቱ ከኣ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ካመሮን ከም ኣመሉ ኣብ ታምፓ እትበሃል ከተማ ናይ ሕ.መ.ኣ ብናህሪ እንዳ ተሓምበበ እንከሎ ንጀሲካ ሬሲንገር-ሮበኖልትዝተባህለት ጓል 24 ዓመት ጓል ምስ ህጻን ጓላ እንከላ ሓደጋ ኣውረደ። ኣደን ጓልን ኣብ ካልኢታት ኩነት ሂወተን ሰኣና….. በቃ ሂወት ደን ጓልን ኣብ ናይ ቋሕ ሰም እዋን ጠፍአ።
እዚ ወዲ ንሕልፈት ክፍረድ ይግባኦ`ኳ እንተነበረ ኣሸላሻል ተገይርሉ 24-ዓመት ክሕየር ተፈሪደ።
 እንተኾነ እዚ ጎሓፍ ሰብ ኣብ ቲክቶክ እንታይ ክብል ተሰሚዑ`ከ? ‘’ ኣዝየ መልክዐኛ ስለ ዝኾንኩ ክእሰር ኣይግበኣኒን`ዩ ’’ በቃ ከምዛ ዘላታ ብጥሪኣ ኢልዋ። 

ዝገደዱ ሰዓብቱ ከኣ #justiceforcameron ፍትሒ ንካሜሮን ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሆ ኢሎም። እዚ ወዲ ካልኣይ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ፣ ፈሊጡ ዝገበሮ ኣይኮነን፣ ..ወዘተን.. እንዳበሉ ንቲክቶክ ኣጨኒቖማ። እዛ ፍትሒ ንካሜሮን እትብል ሃሽታግ 26.1ሚልዮን ከም ዝተጠቕሰት ይፍለጥ።
እተን ዝሞታ ኣደን ጓልን ስድራአንን ተረሲዖም ማለት ድዩ?

ዘንይሰምዖ`ኮ የሎን….ወይ ዓለም!  

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...