Thursday, August 4, 2022

ሓሙስ እታ ዝበለጸት መዓልቲ

 ሓሙስ ምስ ፕላኔት ጁፒተር ዝተኣሳሰረት መዓልቲ ምዃና ኪላታት ቆጸራ ከዋኽብቲ Astrologist ይገልጹ። እዛ ብቋንቋ ፈረንሰኛ Juedi, ብቋንቋ ስጳኛ ድማ Jueves ተባሂላ እትጽዋዕ መዓልቲ ካብ ወርሒ ጁፒተር ዝነቐለ ስም`ዩ ተዋሂብዋ። እዛ መዓልቲ ብቋንቋ ጃፓን ክትጸሓፍ እንከላ ውን ንፕላኔት ጁፒተር ምምስሳል ከም ወለዋ ይንገረላ። ከምኡ ውን ኣብ ሃይማኖት ክርስትና፣ ክርስቶስ ሓሙስ መዓልቲ ከም ዝዓረገ ይእመን።

 


ቀዳመ-ሰምበት ከ ኣበይ ምስ ከዳ ደኣ ሓሙስ ዝበለጸት መዓልቲ ኢልካ ኢልኩም ትኾኑ ኢኹም። ወይ ዓርቢ ኸ እትብሉ ኣይትሰኣኑን ኢኹም። ከመይ ዶ ኢልኩም? ሓዙኒ በሉ…..

ሓሙስ ናይ ዓርቢ-ዓርቢ ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ትፈልጡ`ዶ?  ሓሙስ ጥበቡ ዝኾነት መዓልቲ`ያ፣ ማለት ዘይከምተን ካልኦት መዓልታት ብዙሕ ትጽቢታት ዝንበፈረላ ኣይኮነንትን፣ ስለዚ ብናጻ ርእሲ ኢኻ ተሕልፋ።

ብዙሓት ሰባት ተሓቲቶም ዝፈትውወን መዓልታት ብከምዚ ኣገባብ ሰሪዖመን።



  1. ሓሙስ
  2. ቀዳም
  3. ሰምበት
  4. ዓርቢ
  5. ሰሉስ
  6. ረቡዕ
  7. ሰኑይ

ሰኑይ ምስኪነይቲ ዝፈትዋ ሰብ የሎን፣ እንትርፎ ንሰበይቱ ዝጸልእ ሰብኣይ። ኣብ ጂምናዝዮም ዝበዝሐ ሰብ ዝርከበላ መዓልቲ ሰሉስ እያ። ምኽንያቱ ዝበዝሐ ሰብ ሰኑይ ብዝተፈላለየ ቅድመ-ኩነት ናብ ጂም ስለ ዘይከይድ፣ ንክትክኣ ኢሉ ሰሉስ ኩሉ ናብ ጂም ተውዛሕ ይብል። ዓርቢ ታህዋኽን ተርባጽ ናይ ቅዳመ-ሰምበት ዝበዝሓ መዓልቲ`ያ። ሰምበት ህድእቲን ቅድስቲን እኳ እንተኾነት ክብድብድ ትብል መዓልቲ’ያ። ዳርጋ ኩሎም ዕዳጋታት ስለ ዝዕጸው ደቂ ኣንስትዮ ንቀዳም ካብ ሰምበት ኣብሊጸን ይርእያኣ።

ንሓሙስ ግን ዝወዳደራ የለን ምኽንያቱ ኩሎም መሳርሕትኻ ዝመደብዎ ክገብሩ ብናህሪ ካብ ሰኑይ ተበጊሶም ኣብ ሓሙስ ዘፍ ክብሉ ኢኻ ትርእዮም። ደሓር ብዛዕባ ቀዳመ-ሰምበት ዝበሃል ሓሳብ ፍጹም ኣይመጻካን`ዩ። እንድሕር ኣድላዪ ኮይኑ፣ ሓሙስ ምሸት ቁሩብ ከተማሲ ትኽእል ኢኻ፣ ማለት ዓርቢ ብዙሕ ስራሕ ዘይብላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት`ዩ። ኣብ ምሉእ ዓለም ብዝተገብረ መጽናዕቲ ከኣ ዝበለጹ ፕሮግራማት ናይ ተለቪዥን ሓሙስ ምሸት እዮም ዝፍነዉ።  

ኣብዛ መዓልቲ ዝተወለዱ ሰባት ሃብታም ናይ ምኳን ርሒብ ዕድል ኣለዎም ይበሃል። ንሂወት ከኣ ብኣወንታ ከም ዝርእይዋ ይፍለጥ። እዞም ሰባት ኣብ ሓዳሮም ዕዉታት እዮም፣ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ብቐሊሉ ከምዝኽፈተሎም ከኣ ይንገረሎም። ብሓፈሻ ሓሙስ ዝተወልዱ ድለኛታትን መሃዝቲን እዮም ይበሃል። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እቲ መወዳድርቲ ኣልቦ ስነ-ጥበበኛ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ተወሊዱ።

ኣነ ከማን ሓሙስ መዓልቲ ተወሊደ እንድዒ ብሕጂ ዝሓዘለይ እንተሃልዩ እምበር ክሳብ`ሎሚስ ከምሰበይ ጥዉይ ጨርቂ`የ።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...