Thursday, August 25, 2022

ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ሰብ ሓዳር ዝተዓዘብክዎ ጌጋ !


 ሓዳር ዳርጋ ከም ሞት ዘይተርፍ ኣካል ህይወት ሰብ እዩ። ኣብ ባህሊና ውን ከም ሓደ ቅዱስን ክቡርን ነገር`ዩ ዝሕሰብ። ቀንዲ ሕመረት ሓዳር ምስ መጻምድኻ ብእምነትን ፍቕሪን ተቛሪንካ ምንባር ማለት`ዩ።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘፍጥረት 2.24 ከምዚ ተጻሒፉ ንረኽቦ፣ ‘’ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።’’

ወዲ ተባዕታይ ሓዳር ምስ ዝገብር ቅልጡፍ ናይ ኣታሓሳስባ ለውጢ የርእይ። ሓላፍነት ይስምዖ፣ ኣንዊሑ ክርእይ ይጅምርን ዓቅሊ ከቡቁል ውን ይጅምር። ኣብ ‘ቢዝነስ ኢንሳይደር’ እትብል መርበብ ሓበሬታ፣ ሰብኣይ ሓዳር ድሕሪ ምውጻኡ፣ ሕልና እንዳ ኣዕበየ ይኸይድ፣ ብዛዕባ ኣብ ከባቢኡ ዝግበር ነገራት ተገዳስነት ከጥፍእ ይጅምር። ጓል-ሄዋን ብወገነና ከም እትረጋጋእን ከይጠልመኒን ኣይውደኣላይን ድዩ ካልእን ዝብሉ ኣብ ርእሳ ዝመላለስዋ ሓሳባት ጠቕላላ ከምዝቕንጠጡላን ኣብ ዓምዲታታ ኣስፊራቶ ትርከብ።

መብዛሕትኦም ኣወዳት ሓዳር ምስ ገበሩ ብኡንብኡ ነብሶም ምእላይ የቋርጹ። ኣከዳድናኦም ወጃሃላይ ይኸውን፣ ስፖርት ምዝውታር የቋርጹ፣ ምንባብ ይርስዕዎ፣ ምስ ኣዕሩኽቶም ምርኻብ ይገድፍዎ። በቃ ምስ ሰበይቶምን ደቆምን ሓኾት ክብሉ ጸሓይ ትዓርቦም።  ስለ ዝኾነ ከኣ ኣንስቶም ኣብኦም ዝነበረን ህርፋን በብግዜኡ ክጎድል ይጅምር’ሞ፣ ምንፋቕ ይገድፋኦ። ነገራት ከምዚ እንተቐጺሉ እቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ጎጀም ዘብሎ ሓድሽ ዕላል የብሉን። መጽሓፍ ምንባብ እንተገዲፍካዮ፣ ፊልምታትን ዶኩመንታሪታትን ምርኣይ እንተዘይ ኣዘውቲርካ፣ ምስ ኣዕሩኽትኻ ዘይትራኸብ እንተኾንካ ሓድሽ መዕለሊ ኣርእስቲ ካበይ እዩ`ሞ ክመጽእ ?!

ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ክገብሩ እንከለዉ ንሓዳሮም ጽቡቕ ዝገብሩ ዘለዎ ኮይኑ እንዳተሰምዖ`ዩ። ሓዳር ጌርካ ማለት ግን ነብስኻ ምእላይ ወይ ነብስኻ ምዕባይ ምግዳፍ ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ግን ጓል-ሄዋን ኣበይ ከይትኸይድ ኢሉ`ዩ ነብሱ ምእላይ ገዲፍዎ፣ ሮማንቲክ ምዃን ገዲፍዎ፣ ካልእን ኢለን ክሓስባ ይጅምራ`ሞ፣ ኣብ ሓዳር ፍሕፍሐ ይጅምር።


ኣብ ኣወዳት ብብዝሒ ዝረአ ነገር እንተሃልዩ ከኣ፣ ምስ ካልእ ምዉድዳር`ዩ፣ ኣነ ድሕሪት ተሪፈ ካልኦት ኣበይ በጺሖም ምባል እንተ-ጀሚርካ ሞይትካ ኣሎኻ ማለት`ዩ። ብፍላይ ሰበይትኻ በዓል ኩስቶ ኣበይ በጺሖም ክትብለካ እንተጀሚራ ካብዚ ንላዕሊ ንወዲ ተባዕታይ ዘጽልኦ ነገር የለን።

ንኣብነት ካልኦት ኣዕሩኽትኻ ንኣንስቶም እንዳ-ኣሽኩዑወን ተጻዊረን ክኸዳን ተገምጢለን ከፍቅራኦን ክትርእይ እንከሎኻ፣ ንስኻ ከኣ እርኑብ ክነስኻ ሰበይቲኻ ክትዝንጥለካ (ነቶም ኣብነት ክኾኑ ዘይግባኦም ሰባት ኣስማት እንዳ ጠቐሰት በዓል ኩስቶ ደኣ..) እንዳበለት ከተድንቖን እንከላ ፍጹም ዘይክወርልካ ዘይኽእል`ዪ፣ እንተኾነ ሰበይቲኻ ኣባኻ ዘለዋ ኣረኣእያ ክትቅይር እንተ-ደሊኻ ግን ኣብ ነብስኻ ወፍሪ ክትገብር ኣሎካ። ሓቀኛን የማን ጸጋም ዘይብል ሰብ ምዃን ጥራይ ምዃን ኣብ ሓዳር እኹል ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ ስነ-ስርዓት ምህላው ጥራይ ንፉዕ ተማሃራይ ኣይገብርን`ዩ።  

ግዜ ዝበሃል ዘይብልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ማለት ስራሕ ውዒልካ ምሸት ምስ ደቅኻ ክትጻወት ኣሎካ፣ ጉዳይ ትምህርቶም ኣለይ መለይ ክትብሎም ኣሎካ፣ ዕዮ ገዛ ኩሉ ሰሪሖም`ዶ ካልእን ክትከታተሎ ኣሎካ፣ ንሰበይቲኻ ኣብ ስራሕ ገዛ ክትሕግዛ ኣሎካ፣ ግን እዚ ኩሉ ንሰበይቲኻን ደቂኻን`ዩ። ነዓኻ`ኸ ?

ከምቲ ንስኻ ብደቅኻን ብሓዳርካን ክትኮርዕ ትደሊ ንሶም ውን ብኣኻ ክኾርዑ ይደልዩ እዮም። ስለዚ ነብሲኻ ምዕባይ ፍጹም ኣይተቋርጽ። እንተ-ዘይኮኑ እታ እተፍቅራ ሰበይቲኻ ገዲፋትካ ምስ ናይ ሕማመይ ጸለል መለል ክትጅምር`ያ።

 

 


No comments:

Post a Comment

Happy Bastille day! Vive la France!

  For a decade, France has been my cherished abode, a land that has captivated my heart with its unparalleled charm. The vibrant tapestry of...