Wednesday, September 7, 2022

ዕድመ ጸጋ`ዩ፣ ሂወት ማለት ከኣ ተሞኩሮ`ያ።

 



ቅድሚ ዝኣገረ ንኩሉኹም ፈተውተይ ስለቲ ዝሰደድኩምለይን እትሰዱለይን ዘለኹም ናይ እንቋዕ ተወለድካ ካርቶሊናታት ካብ ልቢ የመስግነኩም። ማሕልፎ እቶም ባዕልኹም ዝጸሓድኩሙለይ ሚልዮን ግዜ የቐኔለይ። ማለትሲ ብዙሕ ዝጽላእ ሰብ ኣይኮንኩን ክብል ኣክኢሉኒ`ዩ።

ብመሰረቱ ኣብ 30ታት ዕድመ ምስ በጻሕካ ገለ ዝስወጡኻ ነገራት ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ ካብ ሶሻል-ሜድያ ወጻኢ ሂወት ከም ዘሎ ክርደኣካ ይጅምር፣ ማለት ኣብ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ብብዝሒ ምጥቃዕን ምምልላስን ኣውያት ናይ ኣቓልቦ ምስሓብ ጥራይ`ዩ። ሽሕ`ኳ ኩሉ ንጥቅዖ ፖስት ተፈጥራዊ ከነምስሎ እንተ ፈተንና፣ ክውንነት ኣይኮነን። ዝኸፍአ ነገር ድማ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ውድድር እታው ሓደ ካብ ዝኸፍአ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ጽልዋ እዩ።

 

ብዙሓት ካብ እትፈልጦም መቕርብካ፣ ኣዕሩኽትኻን ቤተ-ሰብካን ናይ ልቦም ዘየፍቅሩኻ ምዃኖም ክርደኣካ ይጅምር። ነዚ ሓቂ ክትካታዕ ብዙሕ ግዜኻ ኣይተጥፍእ፣ ከም ዘለዎ ተቐቢልካዮ ምኻድ ጥራይ`ዩ ዝሓሸ። ስለዚ ካብ ሰባት ብዙሕ ዝይተጸበ። ብሓጺሩ ነብስኻ ኣፍቅር፣ ነብስኻ ባዕልኻ ዘየፍቀርካያ` መን` ከፍቅረካ፣ ብዙሓት ባህላውያን ወይ ሃይማኖታውያን ኢና በሃልቲ፣ ርእሰ ፍትወት ነውሪ ምዃኑ ከእምኑኻ ክፍትኑ እዮም። ግን ንነብስኻ ባዕልኻ ኣለይ መለይ ዘይበልካያ መን እዩ ክግደሰልካ። ብዝመስለኒ` ነብሲኻ ምስ ኣፍቀርካ ኢኻ ንካልእ ከተፍቅር ትጅምር።

 

ብባህሪ ወታዊ ኣታሓሳስባ ይሃልኻ ግን diehard optimism ማለት ኣብ ክውንነት ዘይነብር ከኣ ኣይትኹን። ኩሉ


ፍጡር ከማኻ ኣብ ዓለም ዘሎ ብሉጽ ነገር ምስ ደለየ`ዩ። ነገራት ከምቲ ትደልዮ እንተዘይ ኮይኑ ግን ኣብ ዘይተደለየ ጭንቀት መእንቲ ከይትወድቕ፣ ሚዛናዊ ኩን። ስለዚ`ስ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጥካ ወላ ሰልችዩካ እንከሎ ስራሕካ ብግቡእ ምስልሳል`ዩ፣ ዒፍ እንዳበለካ ምንባብ`ዩ፣ ደኺምካ ከሎኻ ጂምናዝዮም ምኻድ`ዩ። እምበር ጽቡቕ ክስመዓካ ትጽበ እንተኾንካ ጸሓይ ክትዓርበካ`ያ።

ወላ ውን ሰብ ኮንካ ሰብ ምድላይካ ዘይተርፍ ይኹን፣ ኣብ ሓደ ጉጅለ ክትጥርነፍ ወይ ኣባል ክትከውን ዘይንስኻ ኣይትምሰል። ማለት ነቶም ጉጅለታት ለጠፍ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ እቲ ዝዓበየ መባኸኒ ግዜ ከኣ እዚ`ዩ። ዕርክነት ወይ ምሕዝነት ባዕሉ ዝመጽእ ተፈጥራዊ ምልምማድ`ዩ፣ ብሓይሊ ወይ ብሓይሊ ዝፍጠር ዕርክነት የሎን። ንነብስኻ ምሰል` ነዓኻ ዝመስሉ ሰባት ክትረክብ ኢኻ።

ሰብኣይ ኮንካ ጽቡቕ ኮንካ ክትረአ ምድላይ ተፈጥራዊ`ዩ። እንተኾነ ግን፣ ክትገዝኦ ስለ ዝኸኣልካ ጥራይ ብዙሕ ዘየገድሱኻ ነገራት ምዕዳግ ክሳራ እምበር ትርጉም የብሉን። ወረ ካብ ብዝሒ ምዕዳግ እንታይ ከምዘሎካ ዘይትፈልጥ ኢኻ ትኸውን።

ዝኾነ እንተኾነ፣ ካበይ ከምዝመጻእካ ተመኩሮ እምበር መንነት ክኾነካ ኣይክእልን`ዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ዕውታት ሰባት ካብ ድኻ ህዝቢን ድኻ ስድራ ዝመጹ`ዮም። ግን ኣብ ሕሉፎም ስለ ዘይነብሩ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ዓወት ክበጽሑ ክኢሎም።

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...