Wednesday, September 14, 2022

ዊኪፐድያ ብቋቋ ትግርኛ

እንቋዕ ናብ በዓል ቅዱስ የውሃንስ ኣብቀዓና !!


ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ምእታው እቲ ቀዳማይ ዕላማ ናይዚ ሓይሊ ዕማም ነይሩ፣ ሳላ ተሳትፎ ህዝቢ ድማ ኣብ ዓወት በጺሑ። ሕጂ ድማ ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ንሰጋገር ኣሎና። እዚ ካልኣይ ዕማም ገዚፍን ዝሓየለ ተሳትፎ ህዝቢ ዝሓትትን እዩ።

ዊኪፐድያ እቲ ዝዓበየን ዝበዝሑ ኣምበብቲ ዘለዎን መሞርኮሲ ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ`ዩ። እዚ  ቀጺሉ ዝስዕብ ፕሮጀክት ኣብ ዊኪ-ፐድያ ዘለዉ ኣድለይቲ ናይ ኣካዳሚን ታሪኽን ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ምትርጓም`ዩ። ዊኪ-ፐድያ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። ዊኪፐድያ ብዝተፋላለዩ ወለንታውያን ጸሓፍቲን ተመራመርቲን ዝእከብ ጽሑፋት እዩ። ሓቂነቱ ከኣ ብወለንታውያን ኪኢላታት እዩ ዝረጋገጽ።


እዞም ኤዲተራት ከኣ ዊኪፐድያውያንስ ይበሃሉ። እዚ ፕሮጀክት ንኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ተማሃሮ ንናይ ኣካዳሚያዊ መጽሓፍቲ መራጎዲን ስፍሕ ዝበለ ርድኢት ንክህልዎም ዝሕግዝ`ዩ። ከምኡ ውን ካልእ ናይ ባዕዲ ቋንቋታት ዝኸብዶም ሰባት ብቋንቋ ኣዲኦም ዝሓሸ ርድኢት ናይ ትምህርታዊ ይኹን ታሪኻዊ ጽሑፋት ክቕርብ`ዩ።

ስለዚ ኩላትኩም ደረስቲ፣ ጋዜጠኛታትን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ትነጥፉ ግዱሳን ኣብዚ ዕማም ኣበርክቶኹም ክትገብሩ ንጽውዕ። በብእዋኑ ኣብዚ ፈይስቡክ-ግሩፕ ስምኩም ዝርቋሕ ኣበርክቶ ክትገብሩ ክትሕተቱ ኢኹም። እቲ ዕማም ምስ ወዳእኩሞ ከኣ እቲ ስራሕ ኣብ ዊኪ-ፐድያ ኣእቲና ናብ ኩሉ ከምዝባጻሕ ክንገብሮ ኢና።
 
ንፍቕሪ ቋንቋ ትግርኛ !


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...