Sunday, October 9, 2022

ሸለል ኢልና ንሓልፎ ግን ከኣ ኣገደስቲ ሓቕታት ሂወት (ናይ ክልተ ደቒቕ ንባብ)

ባህልን ክብርታት ኣቦታትና ናብ ፍጹምነት ገጹ ዝኸደ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ሂወት ዘድልየካ ሞራልን ስነ-ልቦናን ዘስንቕ ክቡር ባህሊ ኣሎና። ሎሚ ክዛረበለን ደልየ ዘለኹ ነጥብታት መዘኻኸሪ ስነ-ልቦና እየን። ንኺድ በሉ..



1.    ኣብ ዓወት ምስ ትበጽሕ እንትርፎ ስድራኻ ብኣኻ ዝሕጎስ ሰብ ዳርጋ የሎን

2.    ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዘፍቅሩኻ ስድራኻ ጥራይ እዮም

3.    ዝኾነ ሰብ ኣብ ሂወትካ ንዝተወሰነ ግዜ ጥራይ እዩ ክህሉ፣ ስለዚ ድሉው ኩን

4.    ገንዘብ ካብ ትግምቶ ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት ጽልዋ ኣለዎ። ገንዘብ ሓጎስ ኣይገዝእን`ዩ፣ ድኽነት ድማ ናብ ጭንቀት ከምዘእቱ ኣይትረስዕ

5.    ምስ ኩሉ ሰሓቕ፣ እንተኾነ ሰብ ዝኣመነ ማይ ዝሓቖነ ድዩ ዝበሃል። ኩሉ ግዜ ጥንቅቕ በል፣ ዓርከይ ዓርከይ ኣብ ዘብጸሓካ የብሉን።

6.    ኩሉ ሰብ ሓቂ ንገረኒ ክብለካ`ዩ። ክሰምዓ ዝደሊ ሰብ ግን ከቶ የልቦን

7.    ዝገበርካ ግበር ብኣኻ ዝግደስ የሎን፣ ኩላ ብናታ ርድኢት`ያ ትርእየካ

8.    ካብ ሰብ ኣይትጸበ፣ ማይ ሓቊንካ ከይትተርፍ

9. 


.  
ንዝኾነ ሰብ ኢልካ ከቢድ መስዋእቲ ከይትኸፍል። ተጣዒስካ ኣይትመልሶን ኢኻ

10. ዝወሓደ ቁጽሪ ናይ ኣዕሩኽቲ ማለት ዝወሓደ ሓሸውየ`ዩ። ፍቱው ክትከውን ኢልካ ኣይትጓየ

11. ልሙድ ቅጥዓዊ ሂወት ምምራሕ ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ክሕግዘካ`ዩ

12. ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓቀኛ ዓርኪ ንስኻ ጥራይ ኢኻ

13. ምስጢርካ ምክፋል እንትርፎ ጭንቀት ካልእ ፋይዳ የብሉን። ኣፍካ ሕተም!!።

 

ወደሓንኩም! ተወሰኽቲ ነጥቢታት እንተሃልይኩም ኣብ ኮመንት ኣቐምጡ..

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...