Friday, December 16, 2022

ተዘክሮ ቅነ በዓል ልደት 90ታት

ልደት ኣብ ኣስመራ ክንዝክር እንከሎና ፓናቶነ ናይ እንዳ ብርሃነ፣ ጽሕዲ ልደት ናይ ቤት ገርግሽ (ህያው ጽሕዲ) ምስ ጡጥ ከም መወቀቢ፡ ካራሜላ እንዳ ኣለም ምሓረና (ግዚኡ ከይኣኸለ ተሓቢእና በሊዕና እምኒ እነቀምጠሉ)፡ ኣብ ወረቐት ዝጸሓፍ ርሑስ በዓል ልደት ምስ buon natale፡ ትሕዝቶ ዘይብሉ ብናይ ህያባት ዝተሸፈነ ባኮታት ኣብ እግሪ ጽሕዲ ልደት ዝቕመጥ፣ ፊልም home alone (ናይ keven ዘይንመንዋ ፊልም) ብዓቢኡ ከኣ ጸብሒ ዝግኒ ናይ ኣዴና` ዝዝከረና። እንድዒ ደኣ ሕጂ እምበር እቲ ቀደም ህያብ ምልውዋጥ ብዙሕ ልሙድ ኣይነበረን፣ እንተኾነ ግን ተማሃሮ ምስ ጎበዙ ኣብ ሃይስኩል (ካልኣይ ደረጃ) ካርቶሊና ይለዋወጡ ነይሮም እዮም። ኣብ ሳንታኣና (2 ደረጃ ቤት ትምህትርቲ ሰማእታት) ኣጉባዝ` ነተን ጽቡቓት ኣዋልድ ጥራይ እዮም ዝህብወን ነይሮም። ወረ ኣይንቕበልን እንዳ በልኦም እዮም ለሚኖም ዝህብወን፣ ሕጂ ክዝክሮ እንከለኹ` ኣዝዩ እዩ ዘስሕቐኒ። ዓመት መጸ ካርቶሊናታት ትእክባ ዝነበርክን ኣለኽን`?



ኣብ ቅንያት ልደት ዓመት መጸ ዝርእያ ዝነበርኩ ክሳብ ሕጂ ድማ ዓመት መጸ ዝርእያ ፊልም ኣላ። እዛ Home Alone ዘርእስታ ፊልም፣ ኣብ ቅንያት ልደት ስድራኡ ኣብ ገዛ ረሲዖሞ ዝኸዱ ኬቨን ዝብልዎ ቆልዓ እተዘንቱ ኮይና ናብ ገዝኡ ክሰርቁ ዝኣትዉ ሰረቕቲ ዘሕልፎ ዕሙር ኲናት` እተርእይ። መስሓቕ፣ ኣገራሚት፣ ኣዘናጋዒት ኮይና ኩሉ ግዜ እክርእያ ከም ንፈለማ ግዜ ዝርእያ ዘለኹ ኮይና እያ ትስመዓኒ። ብናተይ ርድኢት ከምዚ ዓይነት ፊልም ካብ ዘይስራሕ ነዊሕ ዝኾነ ኮይኑ` ዝስመዓኒ። ሰብኣይ ምስ ኣኸልካን ነፍሲ ወከፍ ግዜ ነዛ ፊልም ብዝረኣኻያ ቁልዕነተካ እዩ ቕጅል ዝብለካ። ኣብ ስደት ግን ዝያዳ ናብ ናፍቖት ገጻ እያ ተብለካ፣ ማለት ኣብታ ምውቕቲ ገዛኻ ኮንካ ተኣኪብካ ምሸት ፊልም ክትርእይ ይዝከረካ።


እቲ ቀደም ግዜ ከምዚ ሕጂ ኣብ Netflix Amazon Prime ከይኮነ ፊልምታት ኣብ ERITV ጥራይ እዩ ዝረአ ነይሩ። ደሓር ምስ ጎበዝካ ገለ ሰናቲም ኣጠራቒምካ እንዳ ሓጎስ፣ ጁኔር፣ ክሮቾ-ሮሳ፡ ዜሮ ችንከን ካልእን ዝኣመሰላ እንዳ ቪድዮ ክትኣቱ ትጅምር፣ እዚ ከማን ኣዋህሊልካ`ዩ። ክሳብ 1998 ዝነበረ ግዜ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተመሳሳሊ ፊልምታት እዩ ዝርእይ ዝነበረ። ምኽንያቱ ኣብ ሲነማታትን ኣብዘን እንዳ ፊልምታትን ዝዝውተር ዝነበረ ፊልምታት ብብዝሒ ኣክሽን ኮይኑ ተመሳሳሊ`ዩ። ልሙዳት ፍቱዋት ተዋሳእቲ ድማ ራምቦ፣ ቫንዳም፣ ቻክኖሪስ፣ ጃኪ ቻን፣ ኣርኖልድ ሽዋዘንገር፣ ወዲ-ራሻ (ዶልፍ ላንግደን) ስቲቭን ሴጋል ወዘተ.... እዮም ነይሮም። ሓደ ካብዚኦም ወዲ ዓድና እንተዝኸውን እዘን ኲናት ዝኸፍታልና ጎረባብቲ እኮ ቀልጢፍና መጥፋእናየን ዝብል ክንደይ ኔሩ መስለኩም፡ ስኣን ሓደ ራንቦ ክንሳቀ ገበን እዩ`ኮ።




ነባሮ ኣባሻውል፣ ዕዳጋ ዓርቢን ሓዲሽ ዓዲን ጥራይ እዮም ፍልይ ዝበለ ፊልምታት ዝርእዩ ዝነበሩ። ሌዘር ጃኬት ገይሮም ምስ ቡት ጫማ፣ ጆንትራ ተቐምቂሞም ዘይሰምዕዎን ዘይርድእዎን ህንዲ ደርፊ ክደርፉ ይውዕሉ ነይሮም። ሓንቲ ብዙሕ ግዜ ዝሰምዓ ዝነበርኩ ደርፊ ነይራ Taaza taaza kali khili hai Hum uske deewane hai ገለ ተዝይምዋ ዝነበርኩም ከመይ ረኺበኩም`...? ከምዚ ሕጂ ህንዲ ዓሌትውያንን ግናያትን ሓጸርቲ ምዃኖም ከይፈለጥና እንከሎና፣ ኣብ` ግዜ ህንዲ ኢና ንምርዖ ዝብሉ ብዙሓት ጆንትራ ነይሮሙና እዮም። መግለጺ ጽባቐ እውን ህንዲ`ያ ትመስል ክንደይ ዘይተባህላ።



ቆልዑ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ፊልም ኣብ ERITV ከባቢ ሰዓት 9:30 ናይ እዩ ዝጅመር ስለዚ ነዛ ብኬቨን ኢልና ንጽውዓ ዝነበርና ፊልም `ሆም-ኣሎን` ንክትውድኣን ትኻስ ከይመጽኣካ መእንቲ ቀትሪ ክትድቅስ ግድን` ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ናይ ኤሪ-ቲቪ ፊልም ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መደብ ቴሌቪዥን ድሕሪ ምርኣይ` ምፍላጥ ዝከኣል ዝነበረ።


ከም ካልኣይ ዘይሃስስ ተዘክሮ ከኣ ክትጉብዝ ምስ ጀመርካ ኣውደ-ኣመት መጸ ኣቦኻ ኣተሓራርዳ በጊዕ ይዕልመካ። ከምዚ ትገብር በዚ ትሓልፍ በዚ ትስሕብ ትበሃል። ደሓር ምስ ጎበዝካ ከኣ ኣቦኻ ኣተሓራርዳኻ ኮፍ ኢሉ` ዝዕዘብ። ``ኣንታ ቆልዓ ቆርበት ከይተበላሹ እስከ ቀስ በል።`` እታ ኩሉ ግዜ እትመጽኣኒ ዝነበረት ኮመንት ናይ ኣቦይ እያ። ኣዝዩ ተናፋቒ ግዜ`ዩ። ገሊኦም ድማ ካብ ምድንጓዮም ዝተላዕለ ኣቦታቶም `ኣንታ ቆልዓ ቋንጣ ዲኻ ከተብልዓና` እናበሉ ብኣሽሙር ፈዛዝ ጠብሓይ ዝተባህሉ ክንደይ ክንብሎም።


ቆልዓ
ወዲ
7 ክሳብ 13 ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ክኢላ ሓራዳይ ደርሆ እየ ነይረ። ዘዝኣተኽዎ ገዛ ደርሆ ኣኸስቲነ ከብደይ መሊአ ትርፊ ብሽኮቲ ጁባይ ሒዘ ኣዕሩኽተይ ከቕንእ ይውዕል ነይረ። በስመኣብ ከይበልካ ሓሪድካ ተባሂለ ካብ ሞቕሽሽ ዝተኣገድኩሉ ክሓስብ ከለኹ ንድድ እየ ዝብል ክሳብ ሕጂ። ግን ድማ ካብቶም ኣባግራይ ኮይኖም ብጸጋም ከኸስትኑ ፈቲኖም ብሸበጥን ድስትን ዝህረሙ ካብኦም መቸም ኣነ ይሓይሽ ኢለ ይጸናናዕ። ወይ ግዜ! ኣብቲ ግዜ ከምዚ ክገብር ከሎኹ ዝስመዓኒ ዝነበረ ኩርዓት ወላ ሮናልዶ ወይ ሜሲ ተሰሚዕዎ ኣይፈልጥን` ይብለኩም። ሚያ.....

ኣብ ዝኽሪ ኣትየ እምበር ወዲአ ከይመስለኩም፡ ዓመት ምሉእ እኳ መዕለሊ ምኾነኒ ግዳ ነዚ ስምዒት መረስዒ እንተኾነኒ ግዳ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ በዓል ልደት ኣብ ፓሪስ ክገልጾ ክፍትን`የ። ርሑስ ቅንያት በዓል ልደት ንኩላትና።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...