ኣትለት መቕደስ ወልዱ ትማሊ ሰምበት 25 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሃምበርግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኣብ ፈላሚ ተሳትፎኣ 2 :26 :34 ብምጉያይ ናይ ኦሎምፒክን ናይ ቻምፕዮና ዓለም ውድድር ዘሳትፍ ግዜ ከተምጽእ በቒዓ። እዚ ኣመዝጊባቶ ዘላ ውጺት ካብ ኣብ ፈረንሳ ዝተመዝገበ ዝበለጸ ግዜ 3ይ ምኳኑ`ዩ።
እዛ ኣትለት ነዚ ውጽኢት ድሕሪ ናይ 16 ዓመታት
ናይ ኣትለቲክስ ጉዕዞ`ያ በጺሓቶ፣ ናይ ብሓቂ እትነኣድ ፕሮፈሽናል ኣትለት`ያ ከኣ`ያ። እዛ ኣትለት ድሮ እዚ ውድድር ከረማ ሃምበርግ
ምስ ኣተወት፣ ልምምድ ኣብ እትገብረሉ ዝነበረት ህሞት ብሰንኪ ናይ ንፋስ ምልውዋጥን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዓይነት ኣግራብ ብኣለርጂ
ተጠቒዓ ናብ ሕክምና ክትከይድ ተገዲዳ ነይራ። ዶክቶር ነዚ ፈታኒ ውድድር ክኸብደኪ ስለ ዝኽእል እንተዘይጎየኺ ይሕሸኪ ኢልዋ ነይሩ።
ከምኡ ውን ኣብቲ ውድድር ዝስተ ማይ ኣብ ቦቱኡ ስለ ዘይነበረ ድሕሪ ፍርቂ ናይዚ ውድድር ብዘይ ዝኾነ ዝስተ ማይ እያ ክትውዳኦ
ተገዲዳ።
Athlete Mekdes Woldu
9th place in Hamburg Marathon
Chrono 2:26:34
Level international A
3rd French best Marathon chrono in history
7th Best Time scored in Europe this year
Minima for world Champion
Minima for Olympic
ነዚ ኹሉ ተጻዊራ ድሕሪ ምሕላፋ ከኣ`ያ ነዚ ዓወት ተጎናጺፋ። እዛ ኣትለት ኣብ ዓለም ኣሎ ዝበሃል ብሉጽ ውድድራት ዝተማሓየሸ ግዜ ከተምጽእ`ዩ መደባታ። ከምኡ ውን ኤርትራዊ ኣትለት ሄኖክ ተስፋይ ብ2 :10 : 21 ነዚ ማራቶን ብምዝዛም ብሉጽ ውጽኢት ከመዝግብ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ።
ጽቡቕ
ዕድል ጓል ኤረይ !
No comments:
Post a Comment