Wednesday, April 26, 2023

ብቋንቋ ትግርኛ ምንባብ እንታይ ይጠቅም?


ንነብሰይ ከም ኣምባባይ ኣይሓስባን`የ፣ ምኽንያቱ ዘንብቡ ሰባት ስለ ዝፈልጥ፣ ኣብ ቅድሜኦም ከዕልል ኣንከለኹ ከኣ ወትሩ ቅንኢ ምስ ተሰመዓኒ`ዩ። ኣብ ዘንብቡ ሰባት ዝዕዘቦ ሓደ ሓባራዊ ባህርያት ኣሎ። ዘንብብ ሰብ ህድእ ኢሉ’ዩ ዝዛረብ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ኣጥዕዩ ስለ ዝፈልጥ ከኣ፣ ብዙሕ ኣብ ሃውታትያን ካልእን ኣይከይድን`ዩ። ከም ካልኣይ ትዕዝብቲ ከኣ ዘንብብ ሰብ ህድእ ዝበለን ኣዋህላሊን`ዩ። ብፍላይ ደስ ዝብሎ ኣርእስቲ እንተ-ኣትሒዝካዮ፣ ካብ ነጥቢ ናብ ነጥቢ እንዳ ሃረመ ኣብ ስምዒት`ዩ ዘእትወካ። ኣንበብቲ ሰባት ደንገጽቲን ተረዳእቲን`ዮም። ተጓዮም ኣይፈርዱን፣ ልክዕ ከምቲ በብሓደ ብገጽ ነቲ መጽሓፍ ዘንብብዎ ነዓካ ውን ቀስ ኢሎም ክፈልጡኻ እዮም ዝመርጹ። ኣብ ጥዕናዊ መዳይ እንተተዓዚብና ከኣ ንባብ ኣብ ምጉዳል ጭንቀትን ኣብ ምብርታዕ ጥዕና ኣእምሮ ልዑል ተራ’ዩ ዝጻወት።

ብሓቂ ፍቕሪ ንባብ ናይ ርድኢት ዓቕምኻ ክመጦ ይኽእል`ዩ። ነገራት እንዳ ኣተኣሳሰርካ ክትመሃር ከኣ ይሕግዘካ። ልዕሊ ኩሉ ንባብ ናይ ምሕሳብን ናይ መሃዝነት ክእለትካ ናይ ብዕጽፊታት’ዩ ዘዕብዮ። ስለ ዝኾነ ከኣ ናይ ምትኳርን ምስትብሃልን ዓቕሚ ኣዕብዩ ንዓበይቲ ሓሳብት ናብ ንእሽቶ እንዳ ጨራረምካ ናይ ምርዳእ ክእለት ከተጥሪ ይሕግዘካ።

ገለ ጥቕሚታት ምንባብ ብቋንቋ ኣደ\ትግርኛ፣

ዓሙቚ ርድኢት ናይ ትሕዝቶ፣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ብቋንቋ ኣደና ክዛረበና እንከሎ ዝያዳ ዝርደኣና፣ ጽሑፍ ውን ከምኡ`ዩ። ውስጠዘ ናይ ጽሑፍ ከምኡ ውን ብሂላት ብቐሊሉ ክርደኣና ይኽእል። ናይ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ክእለትና ውን ክብ የብል።

ባህላዊ ዝምድና፣ ቋንቋና ኣካል መንነትና ምዃኑ ምስ ባህሊናን ልምዲታትናን ውርሻታትናን ብቐሊሉ ከተኣሳስረና ይክእል። ምስ ታሪኽና፣ ባህሊናን ስነ ጽሑፍናን ድማ የተኣሳስረና።

ምልከት ቋንቋ ከነጥሪ በሪ ይኸፍት፣ ብቋንቋኻ ምንባብ፣ ክትዛረብ እንከሎኻ ጥርኑፍን ውርዙይን ኣዘራርባ ክትጥቀም ይሕግዘካ`ዩ። ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ከኣ ብሓጺርን ርጡብን ኣገባብ ናይ ምርድዳእ ክእለትካ ክብ ይብል። ሓሳብካ ክትገልጽ እንከሎኻ፣ ቃላት ካብ ምድግጋምን ኮለል ምባልን ከኣ የድሕነካ።


ስምዒታዊ ምትእስሳር፣ እንድሕር ብቋንቋ ኣዴኻ ተንብብ እንተኮንካ፣ ምስቲ ጽሑፍ ብቐሊሉ ስምዒታዊ ምትእስሳር ክትፈጥር ትኽእል።
ብቐሊሉ ክትዝክሮ ትኽእል፣ ቋንቋ ትግርኛ ምስ ቁልዕነትካን ኣተዓባብያኻን ከባቢኻን ብዝኾነ መልክዕ ስለ እተተኣሳስሮ ወትሩ ኣብ ልብኻ`ዩ ዝጸንሕ።

ምሉእ ዝበሃል ሰብ የለን ምንባብ ግን ናብ ምልኣት መንገዲ ዝመርሕ ምዃኑ፣ ብዝተኻእለና ነንብብ ደኣ።

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...