Saturday, April 29, 2023

ብራዚል ዘንብቡ እሱራት ናይ መሓዪር ግዜ ዘሕጽር ሕጊ


ብራዚል ናይ ማእሰርቲ ግዜ ንምንካይ ፍሉይ ኣገባብ ኣለዋ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን መጽሓፍቲ ዘንብቡ እሱራት፡ ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ከም ዝንኪ ትፈልጡ`ዶ ?

ብራዚል ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ኮይና፣ ገበን ዝበዝሓ ሃገር`ያ። ኣብያተ ማእሰርቲ ብራዚል ወትሩ ምስ ብዙሓት ጸገማት ከም ልዕሊ ዓቐን ምጽቃጥን ጸገማት ዕጸፋርስን ንገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ሓደገኛታት ሰባት ዘአንግድ መሓዩራት ትውንን።

ካብዚ ብምብጋስ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ምጽዳቕ ብሲቪላዊ ማሕበራት እታ ሃገር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክከታዕ ጸኒሑ`ዩ። እቲ ኣብ 2012 ኣብ ሃገራዊ ጋዜጣ ብራዚል ዝተሓትመ ሕጊ፡

"ገለ ካብቶም ዕሉላት ገበነኛታት ብራዚል ኣብ ዝሕዙ ኣርባዕተ ፌደራላዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት፡ ኣብ ዓመት እንተበዝሐ ካብ ፍርዶም 48 መዓልታት ንምጉዳል ክሳብ 12 ጽሑፋት ስነ-ጽሑፍ፡ ፍልስፍና፡ ሳይንስ ወይ ክላሲካዊ ጽሑፋት ከንብቡ ክኽእሉ እዮም።" ዓመጽ ዝመልኦ ትሕዝቶ ዘለዎም መጻሕፍቲ ክልኩላት እዮም።

ኣብ ብራዚል፡ መብዛሕትኦም እሱራት ብሓፈሻ ካብ ኣዝዩ ድኻ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ኮይኖም፡ ደረጃ ትምህርቲ ምጽሓፍን ምንባብን ዓሚቝ ኣይኮነን።

እዚ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብዙሓት እሱራት ትምህርቲ ይረኽቡ ስለዘለዉ፡ ነቲ ኩነታት ቁሩብ ኣመሓይሽዎ እዩ ዝበሃል፡ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ካብ ገበን ከርሕቖም ይኽእል እዩ።

እቲ ሕጊ ብተወሳኺ ሓደ እሱር ኣብ ሓደ ዓመት እንተበዝሐ 12 መጻሕፍቲ ስለዝወሃቦ፡ እቶም እሱራት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽእሉ መንገዲ ብብዝሒ ከንብቡ ከምዘይክእሉ የረጋግጽ። ንነብሲ ወከፍ ዘንበብዋ መጽሓፍ ከኣ ጹማቊ ትሕዝቶ ከረክቡ ከምዘለዎም እቲ ሕጊ የገድድ።

ብዘይካ ብራዚል ኣብ ፊንላንድ ንዝርከቡ እሱራት እውን ተመሳሳሊ ምድላዋት ይግበር፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምረቓኦም ክዛዝሙ ይኽእሉ። ይኹን እምበር፡ ዘይከም ብራዚል፡ ንጊዜ ማእሰርቲ እሱራት ፊንላንዳውያን ብንባብ ኣይሓጽርን`ዩ።

እዞም እሱራት ካብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ምስ ወጹ ከመይ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ስታቲስቲክስ እኳ እንተዘይተረኸበ፡ ብራዚል ግን ኣብዚ መዳይ ኣብነታዊት ሃገር ኮይና ጸኒሓ እያ።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...