Wednesday, May 10, 2023

ውልቃዊ ገምጋም መጽሓፍ 'ሩሕ ዮርሳሌም'

መጽሓፍ ሩሕ እየሩሳሌም 

ኣብ ኣክራ ዝተተኽበ ኢደ-ጽሑፍ " ብፓውሎ ክዌሎ ኣብ ህሉው ህሞት ምንባርን ትርጉም ህይወት ምርካብን ዘለዎ ኣገዳስነት እትድህስስ ሓሳብ እተበራብርን እተነቓቕሕን መጽሓፍ እያ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ 1099 ዝተቐመጠት መጽሓፍ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተረኽበ ልብወለዳዊ ኢደ-ጽሑፍ ዝተመርኮሰት እያ። ኣክራ ዕርዲ…

እቲ ኢደ-ጽሑፍ፡ ሓደ ለባም ሰብኣይ ነቶም ብመስቀላውያን (Crusades) ወራር ዘጋጥሞም ህዝቢ ኢየሩሳሌም ዝሃቦ መደረ መዝገብ እዩ። እቲ ለባም (ቁብጢ ተባሂሉ ዘሎ ኣብታ መጽሓፍ) ሰብ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ከም ፍቕሪ፡ ፍርሒ፡ ጽባቐ፡ ትርጉም ህይወት ይዛረብ፡ ንህዝቢ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸገም ከመይ ገይሩ ሂወቱ ክነብር ከም ዝኽእል ርድኢትን ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ የቕርብ።

ጽሑፍ ደራሲ ፓውሎ ኩዌሎ ግጥማውን ፍልስፍናውን ኮይኑ፡ እታ መጽሓፍ ድማ ኣንበብቲ ዘነቓቕሕ ኮይኑ ዝረኽብዎ ተዘካሪ ጥቕስታትን ጥበብን ዝመልአት እያ። እታ መጽሓፍ ኣብ ፍሉይ ታሪኻዊ ኵነታት ዝተቐመጠት እኳ እንተኾነት፡ ቴማታታ ግን ግዜ ዘይስዕሮን ንኹሉ ድሕረ ባይታን እምነትን ዘለዎም ሰባት ዝዛመዱን እዮም።

ብሓፈሻ "ኣብ ኣክራ ዝተረኽበ ኢደ-ጽሑፍ’’ ኣንበብቲ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት ክነብሩ፡ ንፍርሖምን ዘይርጉጽነቶምን ሓቚፎም፡ ትርጉምን ዕላማን ህይወት ክረኽቡ ዘተባብዕ ጽብቕቲ ጽሑፍ እያ።

ርእይቶ ንተርጓሚ ምሉእብርሃን ሃብተገርብሬል :
*ስለምንታይ ሩሕ-ዮሩሳሌም ክትብላ መሪጽካ ?

1.     ኣርእስቲ እታ መጽሓፍ ከምኡ ኣይኮነትን ! ዮሩሳሌም ውን ብኣፍ እንብሎ ኣጸዋውዓ እምበር፣ ኣብ ጽሑፍ እየሩሳሌም ክኸውን ምተገባኦ። ኣስዕብ ኣቢለ ከኣ...

2.     ስም ደራሲ ክንበብ/ክትርጎም እንከሎ ፓውሎ ክዌሎ ክኸውን ነይርዎ። ኮልዮ ጌርካዮ ኣሎኻ።

ሓፈሻዊ ልኡም ዝኾነ ቋንቋን ጽቡቕ ዋሕዚን ተጠቒምካ፣ ግን ዘይልሙዳት ቃላት ከም ቁብጢ/ ጳጲሮሳት/ዓቐይታትይ ክትጥቀም ከሎኻ ኣብ መጀመርያ`ኳ እንተገለጽካዮ ኣብ ታሕቲ ናይ ገጽ ብደቂቕ ጌርካ ትግጉም ናይ ቃላት ብተደጋጋሚ (3-4 ግዜ) እንተዝቕመጥ ጽቡቕ ነይሩ። ኣነ ደጋጊመ ከንብቦም እንከለኹ፣ እቲ ጽሑፍካ እንታይ ይብለኒ ነይሩ እስከ (ትርጉም`ኳ ነጊረካ`የ ሓንሳብ ናይ ምዝካር ዓቕምኻ ኣይሰርሕን ድዩ)።

ኣብ ገለ ጽሑፋትካ ኣሊሹ፣ የግዳስ፣ወዮም፣ ገለ ዝብሉ ቃላት ተጠቒልካ`ሞ ብዙሕ ናብ ኣምሓርኛ ዝኸዱ ካይኖም ተሰሚዖሙኒ። ብርግጽ ክጭበጡ ዝግባኦም ሓሳባት ነይሮም`ዮም።  ኣብ ካልኣይ ሕታም ካብዚ ዘላቶ ንላዕሊ ተመሓይሻ ክትቀርብ ተስፋ ይገብር፣ እዚ ክብል እንከለኹ ክኢላ ናይ ቋንቋ ኤዲት ዝገበራ ኮይኑ ስለ ዘይተሰመዓኒ`ዩ።

ናይ ፓውሎ ክዌሎ መጽሓፍ ምዃኑ መጠን እንዳ-ኣንበብኩ ገለ ፍሉይ ኣበሃህላታት ብርቀት ቋንቋ ትግርኛ ተተርጒሙ ደበኽ ክብለኒ ይጽበ ነይረ። ግን ኣየጋጠመኒን፣ ሓንቲ ብሂል ጥራይ መሲጣትኒ ንሳ ከኣ ኣብ ፈይስቡክ ኣእቴያ። ‘’ጎይቶት መልሓስና እምበር ጊላታት ገዛእ ቃላትና ክንከውን ኣይግባእን::’’ እትብል`ያ ነይራ። ምናልባት ግን ንነዊሕ ዓመታት ዓንቀጻትካ ስለ ዘንበብኩ ትጽቢተይ ላዕሊ ስለ ዝነበረ`ዩ።

ክብሪ ዋጋ እዛ መጽሓፍ፣

እዛ መጽሓፍ ኣብ https://yonatan.se/ ብ 20 ኤሮ ትሽየጥ ኣላ፣ መስደዲኣ ከኣ 5 ኤሮ ጠቕላላ 25ኤሮ እዩ ዋጋኣ። እዚ ዋጋ ንስኻ ኣይኮንካን ትስልዖ ይፈልጥ`የ እንተኾነ ዝተጋነነ ምዃኑን እታ መጽሓፍ ከኣ ኣዝያ ንእሽቶን 134 ገጻት ጥራይ ዘለዋ ምዃናን ከስምረሉ ይደሊ። እዛ መጽሓፍ ብእንግሊዘኛ ብ 5.70ኤሮ ትሽየጥ ኣላ…..

ሓደ ሸቃጢ ናይ መጽሓፍ እንታይ ክብል ሰሚዐዮ መስለኩም፣ መጽሓፍቲ እንተ ኣሕሲርናዮስ ዋጋ የብላን’ዛ መጽሓፍ ኢሉ ሰብ ኣይገዝኣልናን እዮ ዝብል ዘረባ ሰሚዐ፣ ኣዝዩ ዘሐዝን ከኣ`ዩ።

 

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ እዛ ናይዚኢ ደራሲ መጽሓፍ ብኻልእ ሰብ ተተርጒማ ናብ ዕዳጋ ቀሪባ ኣላ። ብዛዕባ`ዚ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ ? ኣነ ብርእይቶይ ክዛረብ እንተኾይነ፣ ክልተ ሰባት ንሓንቲ መጽሓፍ ክትርጉሙ ውጽኢታዊ ኮይኑ ኣይረኽቦን`የ። መልሲኻ` ይጽበ..

ኣብ መወዳእታ፣ ዝነኣድ ስራሕ ከም ዝሰራሕካ ክሕብረካ ይደሊ ብፍላይ ኣብ ዋሕዚ ናይ ጽሑፍ ዘሎካ ምልከት ነዛ መጽሓፍ ተነባቢት ገይርዋ`ዩ።  ኣብ ቀጻሊ ብዝበለጸ ትሕዝቶ ክትመጸና ክንጽበ ኢና፣ ንሕና ከኣ በታ ንእሽቶ ዓቕምና ዝመሰለና ሃተፍ ክንብል ኢና። እዚ ጽሑፍ ግን ንዓኻ ምጥቃዕ ተባሂሉ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ክሕብር ይደሊ ወ-ደሓንካ !

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...