Saturday, May 27, 2023

ውልቃዊ ትዕዝብዕቲ መጽሓፍ ዓሌታትን ቀቢላታትን ኤርትራ

 

ደራሲ ኤስ ኤፍ ናድል

ተርጓሚ ነጋሽ ኣስፍሃ

እዛ መጽሓፍ ኣብ ግዝያት ጥልያን ወጸ እንግሊዝ መጸ-መጸ ብሓደ ተማራማሪ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት Anthropologist ዝተጻሕፈት ኮይና ዓሙቊ ርድኢት ህዝቢ ኤርትራ እትፈጥር`ያ። ደራሲን ነጋሽ ኣስፍሃ ነዛ መጽሓፍ ተገዲሱ ምትርጒሙ ናብ ህዝቢ ምባሉ ምስ ኣገዳስነታ ርኢኻ ናይ ብሓቂ ምስጋና ይግባኦ`ዩ።

ኣግኣዝያን-ትግራይ-ኣኽሱም ንእትብሉ ፍጡራት ከኣ፣ መረብ-ምላሽ ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ርእሳ ዝኸኣለት ርእሰ ምምሕዳር ምንባራ እተረድእ መጽሓፍ`ያ።

ታሪኽ ‘’መረብ-ምላሽ’’ ኤርትራ ከምቲ ብዙሓት ናይ ዓድዋ ኢሊት ዝብልዎ፣ ወይ ድማ ታሪኽ ንፈልጥ ኢና በሃልቲ ትግራዎት ዝዛረብዎን ዝሓልምዎን ኣይኮነን። ጽልዋ ትግራይ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ትሑት`ዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ከኣ ኣብ ጽንጽዋይ ዝተመስረተን ብዙሕ መርትዖ ዘይብሉን ምኳኑ ከም ርዱእ ንውሰዶ። ኣብ ጥንታዊት ኤርትራ እንትርፎ ሓደ ወይ ክልተ ካብ ትግራይ ኣኽልሊል ዝተዋህቡ ወይ ራእሲ ዝተሰመዩ ካልእ ወልሓንቲ ነገር የሎን። ዶባት ኤርትራን ትግራይን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንጹር`ዩ ነይሩ።

ኣውራጃታት ኤርትራ ካብ ቀደም መዋስብቲን ስማዊን ምኳኑ ኣብዚ መጽሓፍ ሰፊሩ ትርእዮ። ኩሉ ነባሪ መረብ ምላሽ ናብ ዝለምዐ ምብራቓዊን ምዕራባዊን ጎላጉል እንዳ ሳገመ መጓሰን ሕርሻን ይገብር ምንባሩ ከኣ የረድእ። ስነ-ሓሳብ ወዲ ቆላን ከበሳን ዝበሃል ዳርጋ ንጹር ኣይኮነን። ካብ ከበሳታት ክሳብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ድማ ናይ ሰረገላን እግሪንን መንገዲታት ምንባሩ ኣብዚ መጽሓፍ ሰፊሩ`ሎ።

ሰፋሕቲ ጎላጉል ሰምሃርን ሳሕልን ካብ ቀደሙ ሰፈራ ኤርትራውያን`ዩ ነይሩ። እዚ ታሪኻዊ ቦታታት ኣሰራት ግብጺ፣ ቱርኪ፣ ጣልያንን፣ እንግሊዝን ይርከቦ። ብዘይካ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ሃይማኖት ህዝቢ ተለዋዋጢ ምዃኑ ታሪኽ ሰኒድዎ ይርከብ። እዞም ህዝቢ ኣብ ሓደ ግዜ ክርስትያን ኣብ ሓደ ዘመናት ከኣ ኣስላም ምንባሮም የመልክት።

ደብሪታት ኤርትራ ኣዝየን ጥንታውያን እየን። ካብ 1850ታት ኣትሒዙ ግን ሓይሊ ደብሪታት ምስ ምዕባለ ህዝቢን ምትእትታው ትምህርቲን ክጎድል ጀሚሩ። ዝሕረስ መሬት ደብሪታት ከኣ ቅስ እንዳባለ ናብ ህዝቢ ክኣቱ ከምዝጀመረ ኣብዚ ታሪኽ ንረኽቦ።


እዛ መጽሓፍ ድሕሪ ምትርጓማ ብዙሕ ናይ ምልቃምን ኢዲትን ስራሕ ከም ዝተኻየደላን፣ ብዙሕ ግዜ ከም ዝተሓልፈትን ካብ ዋሕዚ ናይ ቋንቋን ትኽክልነት ናይ ትርጉምን ክርደኣካ ይኽእል። ናይ ብሓቂ ከኣ ፎኪስን ገላጺን ቋንቋ ተጠቒሙ። ነዛ መጽሓፍ ዘንበባ ሰብ ሓንሳብ ምስ ጀመራ ግደፋ ኣይትመጾን`ያ። እንተኾነ ገለ ናይ ለይኣውት ጸገማት ኣለዋ። ኣብ ገለ ሒደት ጽሑፋት ሓዲሽ መስመርን ትሕዝቶን ተቖሪጹን ተሓዋዊሱን ንረኽቦ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ገላጺት መጽሓፍ ክነሳ፣ ብካርታን ገላጺን ኣሳእልን ስለ ዝይብላ ኣብ ገለ ትሕዝቶታት ኣበየናይ ከባቢ ኣሎኻ መኣዝንካ ይጠፍኣካ።

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...