ወርሒ ሰነ ምጅማር ወቕተ-ሓጋይ እያ እተመልክት፣ ውዑይ መንፈስን ኣወንታዊ ድባብን ዝመልአ ሃዋሁ ውን`ያ ተንጸባርቕ። ብርግጽ ሰነ ፍሉይ ጽባቐን ስሕበትን ሒዛ እያ እትመጽእ። ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም፡ ሰነ-ተፈጥሮ ዚዕምብበሉ እዋን እዩ። ኣግራብ ለምለም ቀጠልያ ይቕየሩ: ዕምባባታት ውን ምሉእ ብምሉእ ይዕምብቡ። እቲ መልክዕ ምድሪ ድማ ህያውን ሕብራዊን ኮይኑ ንምርኣይ ዘብህግ ትርኢት መናፈሻታት፡ ጀርዲናት ንምድህሳስን ጽባቐ ተፈጥሮ ንምስትምቓርን ብሉጽ ግዜ እዩ።
ኣብዚ
ወቕቲ ብፍላይ ኣብ
ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ፣ ዝነውሐ ሰዓታት ብርሃን መዓልቲ ዝርኣየሉ እዋን`ዩ። ኣብ ብዙሓት
ዞባታት፡ እዛ ወርሒ ብልኡም ሙቐት ዝልለ ደስ ዘብል ኩነታት ኣየር ስለዘለዋ፡ ኣብ ደገ ንዝግበር ምትእኽኻብ፡ ንፒክኒክን ዝተፈላለየ መዘናግዒ ንጥፈታትን ኣዝያ ምሽውቲ`ያ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ማይ ምህራም ዝጀማመረሉ
ወቕቲ`ዩ። ሓረስታይ ዓዲና ከኣ ንክረምቲ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ንኣባጅጎ ዝጽበየሉ ወርሒ`ዩ። ንመረብ ምላሽ ጥሉል ክረምቲ ይግበረላ !!
No comments:
Post a Comment