Monday, June 5, 2023

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሎሚ ኣብ ዝወዓለ ውድድር 3 ደረጃ ሒዙ


‘’ክሪተሩም-ዱ-ዶፊነ’’ ሓደ ካብ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎም በዳህቲ ውድድራት`ዩ።  ሎሚ ናትናኤል ተስፋጽዮን ‘’ኣክቹ’’ 3 ደረጃ ውጺኢት ብምምዝጋብ ንኩላትና ጋን ሰሪሑና`ሎ።

ፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣዝዩ ድኹምን ብሕጽረት ባጀትን ንተቐዳደምቲ እኹል ኣህጉራዊ ውድድራት ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይፈጥርን`ዩ። ከም በዓል ኣክቹ ግን በታ ዝተረኽበት ንእሽቶ ዕድል ኣብዚ ደረጃ በጺሖም ስሞምን ስም ሃገርን የጸውዑ ኣለዉ።

ናይ ኣክቹ ናይ ሎሚ ውጽኢት ፍሉይ ዝገብሮ፣ ቮላቲስታ ዘይኮነ ክነሱ፣ ምስ ናይ ዓለም ዓበይቲ ዝበሃሉ Sprinters ተተባቲቡ 3ይ ምውጻኡ`ዩ ገሪሙና ዘሎ።

ኣክቹ መኸየፍ፣ ንዓኻ ዝሃበ ግርማ ሞጎስን ንሒን ንመን ሂቡ። ኣንታ ንስኻ`ኮ ኣይትገድፍን ኢኻ ቱር-ዲ-ፍራንስ ብጫ ማልያ ሒዝካያ ኣስመራ ክትኣቱ ኢኻ !!

 

 

No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...