Thursday, December 21, 2023

ገለ ሰባት ብመፈጠሮም ርጉማት እዮም፣ ከይትጉዳእ ተጠንቀቕ


ምሉእ ህይወተይ ኣብ ሰባት ተስፋ ክቖርጽ ከም ዘይብለይ ይኣምን ነይረ። ሓደ ሰብ ኣብ ህይወተይ ምስ መጸ፡ ንዕኡ ንምዕቃብ ዝከኣለኒ ኩሉ ክገብር ኣለኒ ኢለ ይሓስብ ነበርኩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ህይወተይ ዝኣተወ ሰብ ምሳይ ኣብ ቅርበይ ክጸንሕ ኣለዎ ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ።


ኣነ ግን ፍጹም ተጋግየ ነይረ። ኣብ ህይወተይ ዝኣቱ ኩሉ ኣብ ልበይ ክህሉ ይግባእ ኢለ ዝሓስብ ኣዝየ ገርሂ ፍጡር እየ ነይረ። ንሰብ ስለ ዘፍቀርኩ ጥራይ፡ ንዓይ ተመሊሶም ከፍቅሩኒ ዓቕሚ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን ዝብል ሓቂ ብዘይምቕባለይ ንነብሰይ ይጎድኣ ነይረ።

እቲ ዝለገስክዎ ፍቕሪ ካብ ሰባት ጻማ ክረኽበሉ ዘይምኽኣለይ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ፍቕሪ ስለ ዝሃብኩ ተጎዲአ፣ ኣይተረድኣንን። ስለምንታይ እዩ ግን ሓደ ሰብ ጥዑይ ዓርኪን መሓዛን ክንዲ ዝኾንኩሉ ከውድቐኒ ዝፍትን ? ገለ ሰባት ክፉኣት ግብሪ ኮይኖም ከም ዝውለዱ ንኽግንዘብ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ቃንዛ ልብን ጽምዋ ዝመልኦ ለይትታት ብኽያትን ወሲዱለይ።

ነዚ ሓቂ እዚ ንምቕያር ድማ ዝኾነ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን። ናብ ዝሓሸ ክቕይሮም ሓይሊ ዘለኒ መሲሉኒ ግን ኣይከኣልኩን። ንሰባት እኹል ፍቕሪ እንተሂበዮም ጽቡቓት ከም ዝኾኑ ንነብሰይ ነጊረያ፣ ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ጻዕሪ ግን ንነብሰይ ስኢነ።
ምንጪ፣- aposte team

No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...