Friday, December 22, 2023

ንዓዓ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይትሓስብን ከይትጭነቕን ኣብ ምጽንናዓ ቃላት ልዑል ተራ ይጻወቱ፣


ንዓኻ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃና ኣዘኻኽራ። ብኣኺ ይሕበን`የ በል። ኣብ ህይወትካ ምህላዉካ ክሳብ ክንደይ ዕድለኛን ዝተባረኽካን ምዃንካ ንገራ። ሸለል ክትበሃል እትደሊ ጓል ኣንስተይቲ የላን።

ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ ደጊም ጓል ኣንስተይቲ ከተፍቅሮም ከላ ጻዕሪ ምግባር ከምዘየድልዮም ይኣምኑ፣ ግን ደጊምካ ሕሰብ። ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ክትገድፋ እትኽእል፡ ኣብ ዘድልየካ እዋን ድማ ክትጥቀመላ እትኽእል ፍርናሽ ከምዘይኮነት ፍለጥ።

ኣብ መጀመርታኡ ጥራይ ንፉዕ ዝኾነ ዓይነት ሰብ ኣይትኹን። ዋላ ድሮ ናትካ እንተኾነ ከተሐጉሳ ቀጽል። ከምቲ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኸብካያ ኮይኑ ከም ዝስምዓ ግበር።

ንዓኻ ክሳብ ክንደይ ትርጉም ከም ዘለዋ ኣርእያ። ካብቲ ዝጎድኣ ርሓቕ። ልዕሊ ኩሉ ኩሉ ግዜ ብዛዕባኣ ካብ ልብኻ ሕሰብ።

ምኽሪ ንፍቑራት

ካብ ዓንቀጻት ማሕበራዊ ሜድያ ዝረዓመ ጽሑፍ

No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...