Wednesday, January 3, 2024

ዋዕሮ ጓል ኣንስተይቲ ..

1. እታ ዋዕሮ ኣብ ከባቢኣ ዘጋጥም ኩሉ ፍጻመታት፣ ንግደት፣ ጥምቀትን መርዓን ካልእን ኣይትኸይድን እያ። ንኩሉ ከተርክበሉ ግዜ የብላን።

 

2. ዋዕሮ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ እትበልዖ፣ እትሰትዮን እትኸዶን ክትጥቅዕ ኣይትውዕልን እያ።

 

3. ንሳ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳበይ ክንድዚ ገንዘብ ኣሎ ኢላ ኣይትጃሃርን እያ።

 

4. ከም ደረጃ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ መጠን፡ ኩሉ ምስጢራ ስቱር`ዩ። ምኽንያቱ ዘድልያን ዘየድልያን ክትዛረብ ኣይትውዕልን`ያ።

 

5. ዋዕሮ ጓል ኣንስተይቲ ወሓለ ከሻኒትን ጽፍፍቲን እያ። ምኽንያቱ ደቃን በዓል ቤታን መግባ በሊዖም ፍሽኽ ክብልዋ እንከለዉ ዝፈጥረላ ባህታ መዳርግቲ ኣልቦ ስምዒት`ዩ። ።

 

6. ንሳ ከም ደረጃ ዘለዋ ሰብ መጠን ጽፉፍ ክዳን ክትክደን፡ ጽቡቕ ጨና ክትሽትት፡ ኮታስ ኩሉ ግዜ ጽፍፍቲ`ያ። ክዳን ኣብ ክብሪ ዘይኮነስ ኣየናይ የጥዕመላ ኣጸቢቓ እትፈልጥ ጓል`ያ።

 

7. ንሕሜታ ሸለል እያ ትብሎ፣ ብዛዕባ ካልኦት ክትዛረብ እኳ ግዜ የብላን። ርእሳ ወትሩ ኣብ ስርሓን ደቃን ሓዳራን`ዩ። መዓስ`ሞ ግዜ ምስ ተረኽበ`ዩ።

 

8. ኩሉ ግዜ ክብራ ዓቂባ ስርሓ ምስ ሰርሐት`ያ። ተወሳኺ ገንዘብ ዝርከቦ ነገር ስራሕ ውን ኣይትጸልእን።

 

9. ንነፍሲ ወከፍ ዝመጻ ወዲ-ተባዕታይ ምልኩዕን ሃብታምን ይኹን ብዘየገድስ፣ ኣይተቕርቦን`ያ።

 

10. ደቂ ተባዕትዮ ንሃብታማት ኣዋልድ ይፈርሕወን እዮም። ምኽንያቱ ገንዘብ ተጠቒሞም ክረኽብወን ከምዘይክእሉ ስለዝፈልጡ። ከም ዋዕሮ ጓል ኣንስተይቲ ኣበርቲዕኪ ስራሕ፡ ገንዘብ ኮምርዮ ዝኾነ ወዲ ኣይጠቕመኪን እዩ።

 

11. ከም ደረጃ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ መጠን ንነፍሲ ወከፍ እትላለይዮ ወዲ፣ ገዝኡ ክትጸርግሉ ወይ መግቢ ክትሰርሕሉ ኣይትጓየዪ። ነገራት ቅድሚ ምጅማርኪ ግዜ ሃብዮም። እንተዘይኮይኑ ጎዳኢኺ እዩ።

 

12. ከም ክብርቲ ጓል ኣንስተይቲ ንኣምላኽ ክትፈርህን ጽቡቕ ህይወት ክትነብሪን ኣለኪ።

13. ኩሉ ብዛዕባኺ ሕማቕ ዝዛረብ፣ ግዜኺን ኣቓልቦኺን ኣይትሃብዮ።

ሸለል በልዮም።

© Last price



No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...