Thursday, January 4, 2024

ዘይትውዕሎ ቃል ኣይትእቶ


ኣፍቃሪትካ ናይ መርዓ ክዳን/ ቬሎ ተኸዲና ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘይትረኣየካ እንተኮይና። በጃኻ ግዜኣ ኣይተባኽን፣ ወይ ክትሕልዎ ዘይትኽእል ቃል ኣይትእቶ። ብልቢን ውሽጣዊ ስምዒትን ሃንቀውታን ምጽዋት ይቕረ ዘይበሃሎን ዝጎድእን ነገር እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ሓዳርን መጻኢ መደባትንሓዳር ናይ ሂወት ዓቢ ምዕራፍ እዩ !!

ስለዚ ብዛዕባ ዕላማኻን ድሌታትካን ብቕንዕናን ግልጽን ምሕባር ኣገዳሲ እዩ። ምስ መጻምድትኻ ነዚ ስጉምቲ ክትወስዶ ድሉው ወይ ፍቓደኛ እንተዘይኮንካ፡ ክፉትን ቅንዕናን ዘለዎ ዝርርብ ግድን ይኸውን። ንሓደ ሰብ መሪሕካ ሕልሙ ካብ ምጭፍላቕ፡ ስምዒታትካን ፍርሕኻን ምዝታይ ዝሓሸ`ዩ። 


No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...