Thursday, January 4, 2024

ደቂ ተባዕትዮ``ብዙሕ ቃልሲ ህይወት የብሎምን’’ ?


ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ሽግር ይሓልፉ ግን ኩሉ ኣብ ውሽጦም ይገብርዎ። እዚ ሓቂ እዩ..

መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ቃልሶምን ሽግራቶምን ከም ደቂ ኣንስትዮ ኣይዛረቡን እዮም።

ስለዚ ድማ እየን መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ ``ብዙሕ ቃልሲ ህይወት ዘይብሎም!’’ ዝመስለን። እዚ ግን ሓቂ ጌጋ`ዩ።

ብፍላይ ኤርትራውያን ብደገ ሓያላት ንኽመስሉ ውሽጦም ግን እንዳ ሞቱ ይነብሩ። ደቂ ተባዕትዮ ምድናቕ፣ ምፍቃርን ምሕብሓብን ልዕሊ ኩሉ ግን ጽን ኢልካ ክስምዑ ይግብኦም። ካብ ኣፍቃሪቶም/በዓልቲ ቤቶም ዝጸበይዎ ነገራት ከኣ እዩ።

ክቡራት ኣሓት፣ ሎሚ ዓመት ነዚ ትረኻ ንቐይሮ፣ ነቶም ዘፍቅሩኽን ደቂ ተባዕትዮ፣ መጉሓፊ ሽግራት ኣይትጠቐማሎም፣ ስምዓኦም ከኣ፣ ነገሩ ‘’ ኣብ ስቕ ዘሎ መሰቓስቕ’’ እዩ። ስለዚ`ስ ነቲ ልቦናኽን ምስትብሃል ወስኻሉ። ትሕት ኢልካ ምስማዕን ምርድዳእን ንብዙሓት ክመጽኡ ዝኽእሉ ሓሸውየታት ከወግዶም ይኽእል`ዩ።

     

No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...