Thursday, January 4, 2024

ደቂ ተባዕትዮ``ብዙሕ ቃልሲ ህይወት የብሎምን’’ ?


ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ሽግር ይሓልፉ ግን ኩሉ ኣብ ውሽጦም ይገብርዎ። እዚ ሓቂ እዩ..

መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ቃልሶምን ሽግራቶምን ከም ደቂ ኣንስትዮ ኣይዛረቡን እዮም።

ስለዚ ድማ እየን መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ ``ብዙሕ ቃልሲ ህይወት ዘይብሎም!’’ ዝመስለን። እዚ ግን ሓቂ ጌጋ`ዩ።

ብፍላይ ኤርትራውያን ብደገ ሓያላት ንኽመስሉ ውሽጦም ግን እንዳ ሞቱ ይነብሩ። ደቂ ተባዕትዮ ምድናቕ፣ ምፍቃርን ምሕብሓብን ልዕሊ ኩሉ ግን ጽን ኢልካ ክስምዑ ይግብኦም። ካብ ኣፍቃሪቶም/በዓልቲ ቤቶም ዝጸበይዎ ነገራት ከኣ እዩ።

ክቡራት ኣሓት፣ ሎሚ ዓመት ነዚ ትረኻ ንቐይሮ፣ ነቶም ዘፍቅሩኽን ደቂ ተባዕትዮ፣ መጉሓፊ ሽግራት ኣይትጠቐማሎም፣ ስምዓኦም ከኣ፣ ነገሩ ‘’ ኣብ ስቕ ዘሎ መሰቓስቕ’’ እዩ። ስለዚ`ስ ነቲ ልቦናኽን ምስትብሃል ወስኻሉ። ትሕት ኢልካ ምስማዕን ምርድዳእን ንብዙሓት ክመጽኡ ዝኽእሉ ሓሸውየታት ከወግዶም ይኽእል`ዩ።

     

No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...