Saturday, January 6, 2024

ፍቕሪ ክሳብ መቓብር


እታ ዓባይ ሰበይቲ "ዶክተር ኣይትጽውዕ ብሰላም ክድቅስ ዝደሊ፡ ኢደይ ጥራይ ሓዘኒ" በለቶ። ኣፍቃሪኣ ብዛዕባ ሕሉፍ ሂወቶም ከዕልላ ጀመረ፣ ከመይ ከም ዝተራኸቡ፡ ናይ መጀመርታ ስዕመቶም ከመይ ከምዝነበረ እንዳ ኣስተንተነ ተዘኩሮኡ ገለጸላ። ኣይበኸዩን ብኣንጻሩ ፍሽኽ ደኣ በሉ። ኣብ ሂወቶም ወልሓንቲ ዘጣዕሶም ነገር ኣይነበረን፣ ሕጉሳት ደኣ እምበር። ድሕሪኡ፡ንዘልኣለም ከፍቅረካ እየ!” ቃላት መለሰት፣ ንሱ ውን ናይ ልቡ ከም ዘፍቅራ መለሰላ፣ ኣብ ግንባራ ከኣ ሰዓማ። ኣዒንታ ቀስ ኢለን ተዓመታ፣ ልዋም ድቃስ ውን ወሰዳ፣ ኢዱ ግን ኣይገደፈቶን። ኣብዛ ዓለም ንወዲ ሰብ ብሓቂ ኣገዳሲ ፍቕሪ እምበር ካልእ ኣይኮነን። ሰብ ናብዚ ዓለም ጥራዩ ግን ፍቕሪ ሒዙ እመጽእ፣ ክኸይድ እንከሎ ከኣ ፍቕሪ ሒዙ ይኸይድ። ገንዘብ፣ ሞያ፣ ንብረት መሳለጢ ሂወት ጥራይ እዮም። ኩሉ ኣብዛ ዓለም ገዲፍካዮ ኢኻ ትኸይድ። ኣብ ሂወት ፍቕሪ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣገዳሲ እዩ.. 

No comments:

Post a Comment

Dr. Sharon: A True African Role Model on YouTube

Dr. Sharon, a distinguished Eritrean YouTuber based in South Africa, is renowned for her passionate advocacy and commitment to creating posi...